ኣብ ኣውስትራልያ ብዝማረኣ እትልለይ ዑፍ ሃንደበት ዜማ ከምዝጠፍኣ ተገሊጹ

ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝማርኣ ትፍለጥ ዑፍ፡ ሃንደበት ዝማርኣ ጠፊኡዋ፡ ዘይልሙድ ድምፂ ተስምዕ ከምዘላ ተመራመርቲ ገሊፆም።

'ዘ ሬጀንት ሃኒኢተር' ተባሂላ ትፅዋዕ እዛ ዑፍ፡ ናይ ምጽናት ሓደጋ ካብ ሞንጎ ዘንፀላለዎም ዓሌት ኣዕዋፍ እያ።

ቅድሚ ዘበናት፡ ዓሌት እዛ ዑፍ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ብብዝሒ ይነብራ ከምዝነበራ ይግለፅ። ሕዚ ግና፡ ‘ዘ ሬጀንት ሃኒኢተር’ ንዝንተኣለም ዓሌተን ክጠፍእ እዩ ካብ ሞንጎ ዝተብሃላ ኣዕዋፍ ኮይና ኣላ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ዓሌት ‘ዘ ሬጀንት ሃኒኢተር’ ዝምደባን ብህይወት ዘለዋን ኣዕዋፍ፡ 300 ጥራሕ እየን።

ዶክተር ሮዝ ክሬተስ፡ “እዛ ዑፍ፡ ንግዚኡ ምስ ዓሌታ ግዘ እተሕልፈሉ ዕድል ኣይነበራን፤ ነዚ እዩ ዝኾን፡ እቲ ልሙድ ዝማርኣ ረሲዓ” ትብል።

ኣብ ኣውስትራልያ ዩኒቨርሲቲ ካንቤራ፡ ኣብ ሓደ ጉጅለ መፅናዕቲ ዓሌታት ኣዕዋፍ ትሰርሕ ዶክተር ሮዝ፡ ነዛ ዝማርኣ ዝጠፍኣ ዑፍ፡ ናብ ልሙድ ዝማርኣ ንክትምለስ፡ ናይ ዓሌታ ዝማረ ተምህራ ኣላ።

ከምዚአን ዓይነት ዓሌት ኣዕዋፍ፡ ኣብ ምድሪ ዝተረፋ ውሱናት ዓሌት ምዃነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝርከባ ዘይምዃነን ከኣ ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ እንትትጓዓዛ ክንዲ ስፍሓት ዓባይ ብሪጣንያ ስለዝሽፍና፡ ዓሌት እዘን ኣዕዋፍ ንምርካብ በዳሂ እዩ።

ኣዕዋፍ፡ ደቂ ሰባት ቋንቋ ብዝመሃርሉ መገዲ፡ ዝማረ ከምዝመሃራ ተመራመርቲ ይገልፁ።

ዶክተር ሮዝ፡ “ገና ንኣሽቱ እንከለዋ እየን፡ ጎጀአን ገዲፈን ምስ ዓሌተን ክውዕላ ዝጅምራ። ብዕድመ ካብአን ዝዓብያ ኣዕዋፍ ክዝምራ ምስዝሰምዓ፡ ንዕኡ ይደግማ። በዚ መገዲ እየን፡ ዝማረ ዝመሃራ” ትብል።

ሕዚ ግና፡ ዝዝምራ ኣዕዋፍ ኣብ ሓደ ከባቢ ስለዘይርከባ፡ እታ ሓንቲ ናይ ካልእ ዝማረ ሰሚዓ ምቅዳሕ ኮነ ምምሃር ኣይከኣላን።

ኣዕዋፍ ንክዝምራ ኣብ ክፍሊ ምምሃር

ስለዝኾነ ድማ እዞም ተመራመርቲ፡ ሓደ ሜላ ምሂዞም ኣለዉ፤ ነተን ኣዕዋፍ ኣብ ክፍሊ ዝማረ ምምሃር።

ነዚ ንምትግባር፡ ቅድሚ ሕዚ ዝቐድሕዎም ዝማረታት ኣዕዋፍ፡ ዝማርአን ንዝተዛብዐን ኣዕዋፍ ብምስማዕ፡ ‘መሰረተ ዜማ’ የምህሩ ኣለዉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዓሌተን ኣብ ምጥፋእ ዝርከባ ኣዕዋፍ፡ ኣብ ቤተ ፈተነ ብምርባሕ ናብ ዱር ናይ ምስዳድ ፕሮጀክት ኣብ ፈተነ ይርከብ። እዚ ፈተነ፡ ዓሌታት እዘን ኣዕዋፍ ጠቕሊሉ ካብ ገፀ ምድሪ ከይጠፍእ ክሕግዝ ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።

እንተኾነ ደቂተባዕትዮ ዝኾኑ ኣዕዋፍ፡ ድምፃ ሰሓቢ ምስዘይኮነ ዑፍ ክራኸቡ ኣይደልዩን። ነዚ ፀገም እዚ ንምቕራፍ ድማ እዩ፡ ዶክተር ሮዝ ትርከቦ ጉጅለ መፅናዕቲ፡ ነዘን ኣዕዋፍ መሰረተ ዜማ ይምህሩ ዘለዉ።