ንኸይጸንቱ ብሳተላይት ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ እንስሳታት

ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ ነቶም ኣብ ጎቦታት ኔፓል ዝርከቡ ቀያሕቲ ፓንዳታት ካብ ምጽናት ንምክልኻል ብሳተላይት ይከታተልዎም ከምዘለው ተገሊጹ።

እዞም ኣጥበውቲ ዝኾኑ ቀያሕቲ ፓንዳ ኣብ ምብራቅ ሂማልያን ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ቻይናን ጥራይ ዝርከቡ ኮይኖም ቁጽሮም ካብ ሽሕ ዝበዝሕ ኣይኮነን።

እዞም ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ ኣብ ዓሰርተ ፓንዳታት ጂፒኤስ (ኣበይ ኣለኻ ዘርኢ መሳርሒ)ብምግጣም ካበይ ናበይ ይንቀሳቀሱ ኣብ ምክትታሎም ኣለዉ።

እዞም ጂፒኤስ ዝተገጥመሎም ሽዱሽተ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ተባዕትዮን ኮይኖም ሬድ ፓንዳ ኔትዎርክ ዝተበሃለ ጉጅለ ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ’ዩ ዝከታተሎም ዘሎ።

ማና ባሃዳር ካዱክ ናይ ኔፓል ዳይረክትር ዕቃበ ኣገራብን ሓመድን ኮይኑ “እዚ ኣብ ቀያሕቲ ፓንዳታት ከይጸንቱ ዝግበር ዘሎ ምክትታል እምነ ኩርናዕ ንምዕቃብ ቀያሕቲ ፓንዳታት ጌርካ እዩ ዝርአ” ኢሉ።

ፓንዳ ብስድራን ጉጅለን ኮይንካ ናይ ምንባር ልምዲ ዘለዎም ኣጥበውቲ እንስሳ እዮም።

እዞም ኣብ ጫካታት ዝነብሩ ኣጥበውቲ እንስሳ፡ ሰባት ብብዝሒ ስለዝሃድንዎምን፡ ምስ ምብራስ ኣግራብን እቲ ንሶም ከም መግቢ ዝጥቀምሉ ኣርቃይ’ውን እናጎደለ ስለዝመጽአ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ እንስሳ እዮም።

እዚ ብናፓላውያን ተጣበቅቲ ዕቃበ እንስሳ ዝካየድ ዘሎ ንቀያሕቲ ፓንዳታት ካብ ምጽናት ናይ ምድሓን ስርሓት ነዞም ብቁጽሮም ውሑዳት ተሪፎም ዘለዉ ቀያሕቲ ፓንዳታት ዳግማይ ክስስኑ ተስፋታት ኣሰሲኑ ይርከብ።