እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣውስትራልያ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዓሌታት ንምዕቃብ ሓጹር መከላኸሊ ደማሙ ኣስሪሓ
ዘይለማዳት ደማሙ ኣብ ኣውስተራልያ ንዝርከቡ መበቆላውያን እንስሳ ዘገዳም ኣስጋእቲ ኮይኖም'ዮም ጸኒሖም፡ ሓንቲ ዞባ ናይ ኣውስትራልያ ግን ቀዋሚ ናይ ኤሌትሪካ ሓጹር ብምስራሕ ውሕስነቶም ተረጋግፅ ኣላ።
እዚ ካብ ዓለም ዘነውሐ መከላኸሊ ደማሙ ናይ ኤሌትሪካ ሓጹር፡ ንቶም ኣብ ማእከላይ ኣውስትራልያ ኣብ ሓደጋ ዝነበሩ እንስሳታት ዳግማይ ናብቲ ቦታ ክምለሱ ከኽእሎም'ዩ።
እዚ 44 ኪሎሜትሮ ዝንውሓቱ ሓጹር ኤሌትሪክ ነቶም ዘይለማዳት ደማሙ፡ ውኻሩን ማንቲለታትን ካብ ካልኦት እንስሳ ዘገዳም ክኽልክል'ዩ ተሰሪሑ።
መካየዲ ስራሕ ምዕቃብ እንስሳታት ዘገዳም ኣውስትራልያ (AWC) ፡ "ኣብ ዓመት ከሳብ 70,000 ዝኾኑ መበቆላውያን እንሳሳታት ክበልዑ ዝኽእሉ፡ ኣብዚ ከባቢ ካብ 50 ከሳብ 60 ዘይለማዳት ደማሙ ኣለዉ ስለዚ እዚ ሓጹር እዚ ንዕቃበ እዞም እንስሳታትን ንኣውስትራልያን ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ዘይለማዳት ደማሙ ኣብ 99.8 ሚእታዊ ናይ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኮይኖም፡ እዚ ናይ ኤሌትሪክ ሓጹር ግን ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዘይለማዳት ድማሙ ናጻ ዝኾን ዞባ ከፈጥር'ዩ።
እዚ ቀዳማይ ደረጃ 3.7 ሚለዮን ዶላር ዝውድአ ክኸውን እንከሎ 9,400 ሄክታር ዝሽፍን'ዩ።
ኣብ ዝቕፅል ናብ 100,000 ሄክታር ንምስፋሕ ገንዝብ ኣብ ምውህላል ከምዘለዉ፡ ምዕቓብ እንስሳታት ዘገዳም ኣውስትራልያ (AWC) ገሊፁ።