ኣብ ህንዲ 'ሰልፊ' ዝስኣሉ ዝነበሩ 11 ሰባት ብሓደጋ በርቂ ሞይቶም

ትማሊ ሰንበት ጃይፑር ኣብ ዝተብሃለት ሰሜናዊት ከተማ ህንዲ፡ ሰልፊ ዝሰኣሉ ንዝነበሩ ብውሕዱ 11 ብሓደጋ በርቂ ክሞቱ እንከለው ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።

እቶም በጻሕቲ ዓዲ፡ ስርሒት 12 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝኾነ ሓደ ቀጥ ዝበለ ጥንታዊ መንደቕ ደወል [ታወር] ናብ ቅርቅርቲ ወጺኦም ባዕሎም ንባዕሎም [ሰልፊ] ይሰኣሉ ነይሮም። እቲ ዝነብርሉ ጥንታዊ መንደቕ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ መስሕብ ቦታ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ።

እቲ መብረቕ እንትወድቕ ኣብቲ ቅርቅርቲ እቲ ግምቢ 27 ሰባት ዝነበሩ ኾይኖም፡ ገሊኦም ካብ ላዕሊ ናብ መሬት ዘሊሎም ተባሂሎም።

ኣብ ህንዲ፡ ካብ 2004 ጀሚሩ መብረቕ ዓመታዊ ብማእከላይ ገምጋም 2 ሽሕ ሰባት ክቐትል ይስትውዓል።

ሓደ ሓለፊ ፖሊስ ንመራኸቢ ብዙሓን ከምዝበሎ፡ ኣብቲ ቀጽሪ ናይ መስሕብ ቦታ፡ እዚ ነዊሕ መንደቕ ኣዝዩ ዝፍቶን ዝድነቕን ኮይኑ፡ ካብቶም ዝሞቱ ኣብዝሓ መናእሰይ ምዃኖም ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰንበት ኣብ ካልእ ቦታ እታ ግዝኣት፡ 9 ሰባት ብመብረቕ ከምዝተቐትሉ'ውን ተሓቢሩ።

ሓላፊ እታ ግዝኣት ኣሾክ ገህሎት፡ ንሕድሕድ ስድራ ግዳያት 6,700 ዶላር ካሕሳ ከምዝኽፈሎም ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ህንዲ ሓያል ዝናብ ዝወቕዐሉ እዋን፡ ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ክሳብ መስከረም ይጸንሕ።

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ህንዲ፡ ምስ 1960ታት ብምንጽጻር ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጓንፍ ብዝሒ ሐደጋታት መብረቕ ዕጽፊ ኮይኑ ከምዘሎን እዚ ድማ ውጽኢት ቅልውላው ለውጢ ኩነታት ኣየር ምዃኑን ይሕብር።

ብኡ ልክዕ'ውን ብፍላይ 1990ታት ንመብረቕ ስዒቡ ዝመጽእ ሓደጋ ሞት ብ 30%-40% ከም ዝወሰኸ እቲ መረዳእታ የረድእ።

ኣብ 2018 ሓንቲ ደቡባዊት ከተማ ህንዲ [ኣንድራ ፕራድሽ] ጥራይ፡ ኣብ 13 ሰዓታት ብ36,749 ሓደጋታት መብረቕ ከምዝተሃርመት ተመዝጊቡ።

እቲ መብረቕ ብኣግራብ ኣብ ዘይተሸፈነ ኣዝዩ ብበዝሒ ከምዝረአ ድማ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይዛረቡ።

ሓደጋ መብረቅ ንምክልኻል ዝጠቕሙ ማዕዳታት

  • ናብ መኪና ወይ ድማ ኣብ ዓብዪ ህንጻ መጽለሊ ምእታው
  • ካብ ጸፋሕቲ ክፉት ቦታት ከምኡ ድማ ካብ ገደላገደል ምረሓቕ
  • እቲ ቦታ መጽለሊ እንተዘይሃልዩዎ፡ ጭብጭብጭ ኢልካ[ ርእስኻ ናብ መንጎ ኣእጋርካ ገይርካን ኢድካ ናብ እግርኻ ጠሚርካን ንነፍስኻ ኣንኢስካ ኣሕልፎ]
  • ኣብ ትሕቲ ነዋሕትን ዝተበታተኑን ኣግራባት ኣይትጸጋዕ
  • ኣብ ውሽጢ ማያዊ ኣካል እንተነይርካ ድማ ቀልጢፍካ ናብ ገማግም ውጻእ

[እዚ ማእዳታት ምክልኻል ሓደጋታት ካብ ሮያል ሶሳይቲ ዝረኽበ እዩ] ።