እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምስ ዕጡቓት ጣሊባን ኲናት ዝገጠሙ ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ናብ ጎረቤት ሃገር ሃዲሞም
ልዕሊ 1,000 ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ምስ ዕጡቓት ጣሊባን ኲናት ድሕሪ ምግጣሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ታጂኪስታን ከም ዝሃደሙ ሰብ መዚ ሓቢሮም።
እቶም ወተሃደራት "ህይወቶም ንምድሓን" ዶብ ሰጊሮም ከምዘንሳሓቡ መግለጺ ምክትታል ዶባት ታጂኪስታን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣፍጋኒስታን ጎንጺ ድሕሪ ምውልዑ ዕጡቓት ጣሊባን ብዙሕ ስፍራታት ይቆጻጸሩ ኣለው።
ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን መሻርኽተንን ነቲ ን20 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሐ ሰራዊተን ከውጽኣ ጸኒሐን እየን።
ኣብታ ሃገር ዝርከብ ሰራዊት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ወርሒ መስከረም ጠቕሊሉ ክወጽእ ተወጢኑ ብምህላው፡ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ ቅድሚ እቲ ዝተመደበሉ ግዜ ወጽዩ ኣሎ።
ሰራዊት ኣፍጋኒስታን ንወተሃደራት ሃገራት ምዕራብ ክትክእ ትጽቢት ዝግበረሉ እኳ እንተኾነ ልዕሊ ዓቕሙ ከይከውን ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
ኣመሪካን ብኔቶ ዝምራሕ ሰራዊት ሃገራት ምዕራብን ምስ ጣሊባን ብዝበጽሐ ስምምዕ ብምልኡ ሓይልታቶም ካብታ ሃገር ክስሕቡ እዮም፤ ብወገን ጣሊባን ድማ ኣብቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ጥሩፋት ከይነቀሳቐሱ ክከላኸል እዩ።
እንተኾነ ግና ጣሊባን ነቲ ምስ ሓይልታት ኣፍጋኒስታን ዝገብሮ ኲናት ደው ንምባል ኣይተሰማምዐን፤ ኣብዚ እዋን ድማ ንሓደ ሲሶ እታ ሃገር ተቖጻጺሩ ምህላው ይግለጽ።
እቶም ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣፍጋኒስታን ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ንሳልሳይ ጊዜ እዮም ናብ ጎረቤት ሃገር ዝሃድሙ ዘለው። ብሓፈሻ 1600 ወተሃደራት ህይወቶም ንምድሓን ዶብ ሰጊሮም ኣለው።
ኪዳን ሓይልታት ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክሳዕ ወርሒ መስከረም ካብ ኣፍጋኒስታን ጠቕሊሉ ክወጽእ ብዝወጠኖ መሰረት እንተዘይወጺኡን ኣብታ ሃገር እንተጸኒሑን ከም ናይ ዝኾነት ናይ ወጻኢ ሃገር ናይ ጸላኢ ሰራዊት ክረአ ምዃኑ ጣሊባን ኣጠንቂቑ እዩ።
ኔቶ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ተልእኾኡ ዛዚሙ ኣሎ። እንተኾነ ግና ጣሊባን ተወሳኺ ግዝኣታት ይቆጻጸር ብምህላው፡ ኣብታ ሃገር ቅልውላው እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።
ኣፈኛ ጣሊባን ሱሃይል ሻህን ንካቡል ብኲናት ምቁጽጻር "ናይ ጣሊባን ፖሊሲ ኣይኮነን" ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ቀጠር ካብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት እቲ ዕጡቕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ድሕሪ እቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ የብሉን ኢሉ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ወተሃደራት ኣመሪካ ምሉእ ብምሉእ 9 መስከረም ክወጽኡ ምዃኖም ክገልጽ እንከሎ እቲ ዕለት መበል 20 ዓመት መጥቃዕቲ 9/11 ዝዝከረሉ እዩ።
ሰራዊት ኣመሪካ ስለምንታይ ናብ ኣፍጋኒስታን ኣትዩ?
11 መስከረም 2011 ኣብ ኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣስታት 3000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ዝዝከር እዩ። መራሒ ኣልቃዒዳ ኦሳማ ቢንላደን ድማ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ምህላው ተፈሊጡ።
ኣብቲ እዋን ንኣፍጋኒስታን ዘመሓድር ዝነበረ ጣሊባን ንቢንላደን ኣሕሊፉ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ድሕሪ መጥቃዕቲ 9/11 ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጀሚራ።
ካልኦት ሃገራት'ውን ነቲ ኲናት ክጽምበርዎ እንከለው፡ ጣሊባን ካብ ስልጣን ተኣልዩ። እንተኾነ ግና ጣሊባን ኣይጠፍአን፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ጽልዋታቶም እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
ኣመሪካን መሻርኽታን፡ ንመንግስቲ ኣፍጋኒስታን ካብ ምፍራስ ንምድሓንን ብጣሊባን ንዝበጽሕ መጥቃዕቲ ደው ንምባልን ክጽዕራ ጸኒሐን።