ጓል ኣነስተይቲ ፖሊስ ብምዃና ኣብ ዓይኒ ዝኣተወት ኣፍጋኒስታዊት

ኣፍጋኒስታዊት ሳባ ስሃር፡ ፖሊስ፣ ዳይሬክተርን ተዋሳኢትን ስለዝኾነት ዕጥቛት ጣሊባን ተኵሶም ኣቑሲሎማ። ንሳ ካብ መወጋእቲ ድሒና ስርሓ ዝቐጸለት ኮይና ግን ሕጂ እውን ስግኣት ከምዘለዋ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ገሊጻ።