እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ፡ ብሰንኪ ናይ ጎረባብቲ ዘይምርድዳእ ብኸፊል ዝተቖረጸ ገረብ
ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ኣፍደገ ክልተ ጎረባብቲ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ገረብ ብኸፊል ክቑረጽ ተጌሩ።
ነባሪ ዋተርቶርፕ፡ ሸፊልድ ወዲ 56 ዓመት በሃራት ሚስትሪ፡ ጎረቤቱ እቲ ገረብ መጽለሊ ነቲ ከባቢ ናይ ዘርስሓ ረጋቢት ኮይኑ ኣሎ ብዝብል የዕዘምዝም ምንባሩ ተዛሪቡ።
እቶም ጎረባብቲ "ብሰላማዊ መገዲ" መፍትሒ ንምርካብ እናጸዓሩ እንከለው፡ እቲ ሓደ ጎረቤት ገረብ ዝቖርጽ ሰራሕተኛ ምጽውዑ'ውን ሓቢሩ።
ቢቢሲ ንጎረቤት በሃራት ሚስትሪ ክረኽቦ ብዘይምኽኣሉ፡ ርእይትኡ ከካትት ኣይከኣለን።
እቲ ካልእ ጎረቤት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት እቲ ገረብ ክእለይ ሓቲቱ ምንባሩ በሃራት ሚስትሪ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት ብዛዕባ ምቕምቓም፡ ወይ ረጋቢት ንምርሓቕ ብመርበብ ምሽፋን ይዘራረቡ ምንባሮም'ውን ነጊሩ።
ሚስትሪ ንኽኢላታት ገረብ ኣዘራሪቡ እኳ እንተነበረ፡ ጎረቤቱ፡ ገረብ ዝቖርጽ ሰራሕተኛ ብምምጻእ ውልቃዊ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ።
"ከምኡ ምስ ገበረ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሓረቕና ክትግምቱ ትኽእሉ ኢኹም፤ ግና ድሕሪ ገለ መዓልትታት ተረጋጊእና" ኢሉ።
ስእሊ እቲ ገረብ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ መስሕብ ቱሪስት ኮይኑ ብዙሓት ክርእይዎ ናብቲ ከባቢ ኣምሪሖም ኣለው።
ካልእ ጎረቤቶም ብራያን ፓርክስ፡ እቲ ጉዳይ "ዘገም" ይብል ከም ዝነበረ ብምግላጽ "ንኽልቲኦም ክትድንግጽሎም ይግባእ" ኢሉ።
"ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ። ክተሓናነቑ እዮም፡ ግና ኮይኑ እዩ፤ ክትመልሶ ዝከኣል ኣይኮነን" ኢሉ።
ኣብቲ ከባቢ እትነብር ኣን ዊልሰን ብወገና፡ እቶም ጎረባብቲ፡ ብዙሕ ማሕበራዊ ንጥፈታት ብሓባር ይገብሩ ምንባሮም ገሊጻ።
"ኣነ ክሳዕ ዝፈልጦ ክልቲኦም ጽቡቕ ምቅርራብ እዩ ነይርዎም። ንሕና ብኣማኢት ዝቑጸሩ ረጋቢት ኣለውና። ካብ ከተማ ወጻኢ ስለ እንነብር ነዚ ከም ውሁብ ክትወስዶ ኣሎካ" ኢላ።
እቲ ገረብ ብዝሓሸ ኣገባብ ክቕምቀምን ክመዓራረይን ተስፋ ከም ዘለዎ ዝገልጽ በሃራት ሚስትሪ፤ ክልምልም እንተዘይክኢሉ ግና ምቑራጹ ዘይተርፍ ምዃኑ ይነግር።
በዓልቲቤቱ ብወገና "መወዳእትኡ ከምዚ ምዃኑ ብጣዕሚ እየ ሓዚነ" ኢላ።