ኢንዶኔዥያ፡ ክኢላታት ስነ ኳዕቲ ኣብ ዓለም ጥንታዊ ናይ በዓቲ ቅብኣ እንስሳ ረኺቦም

ክኢላታት ስነ ኳዕቲ ኣብ ኢንዶኖዢያ ኣብ ዓለም ጥንታዊ በዓቲ ስእሊ እንስሳ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።

እዚ 45 ሽሕን 500ን ዓመታት ዘቑጸሩ ከም ዝኾነ ይእመን።

እዚ ውሁድ ቀለማት ጸሊም ቀይሕን ሃሳስ ቢጫን ብምውህሃድ ዝተሰኣለ ቅብኣ፡ ኣካል ምርኢት ቅብኣ ኣብ ኢንዶኔዥያ ስላዌሲ ዝርከብ ሓሰማ'ዩ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ስእሊ ኣብ በዓቲ በሌንግ ቴዶንኝጂ ክርከብ እንከሎ፡ እቲ በዓቲ ድማ ኣብ ደሴት ስላዌሲ ኣብ ውሽጢ ሽንጥሮ'ዩ ዝርከብ።

ብተወሳኺ እዚ ስእሊ ኣሰፋፍራ ኣብቲ ኸባቢ ናይ ዘለው ሰባት ዘርኢ ጥንታዊ መረዳእታ ምዃኑ እቲ ኣብ መጽሄት ኣድቫንስድ ሳይንስ ዝወጽኦ ሓበሬታ የረድእ።

"ነዚ ቅብኣ ዝሰርሑ ሰባት ከማና ዘመናውያን'ዮም ነይሮም፤ ቃሕ ዝበሎም ቅብኣ ንምስኣል ዓቕምን ናውትን ነይሩዎም" ይብል ተሓጋጋዚ ጸሓፊ እዚ ጸብጻብ ማክሲም ኡበርት።

ክኢላ ኣቆጻጽራ ዘመን ሓድጊ ዝኾነ ኡበርት እቲ ቅብኣ ዝተስኣለሉ ዘመን ንምፍላጥ ኣብ ርእሲ'ቲ ስእሊ ዝተረኽበ ካልሲት ዝተባህለ መዓድን ብምውሳድ እቲ መዓድን 45 ሽሕን 500 ዓመታት ከም ዘቑጸረ ንምፍላጥ መዓድን 'ዩራኒየም ሲሪስ ኢሶቶፕ' ከም ዝተጠቐሙ ገሊጹ።

በዚ ምኽንያት እቲ ቅብኣ ነዊሕ ዕድመ ዘቑጸረ ጥንታዊ ሓድጊ ይገብሮ።

ግን ድማ ዘመን እቲ ቅብኣ ንምጽናዕ ኣብ ልዕሊ እቲ ስእሊ ዝተረኽበ መዓድን ጥራሕ ስለ ዝተጠቐሙ፡ ዕድመ እቲ ቅብኣ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ሓቢሩ።

እቲ ቅብኣ፡ 136 ሴንቲ ሜትር ብ54 ሴንቲ ሜትር ኮይኑ፡ ኣብ ገጽ ሓሰማ ቀርኒ ዝመስል ነገር ይርኣይ፤ ካብዚ ብዝብገስ እቲ ቅብኣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

ብድሕሪት እቲ ሓሰማ ድማ ቅብኣ ገጽ ክልተ ሓለዋ ዝተገብረሎምን ካልኦት ክልተ ኣሰር ኢድን ይርከቡ።

ካልእ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ እዚ ጸብጻብ ኣዳም ብሩም ብወገኑ፡ "እቲ ሓሰማ ኣብ ሞንጎ ካልኦት ክልተ ሓሰማታት ዝግበር ባእሲ ወይ ማሕበራዊ ርክብ ዝጥምት ይመስል" ኢሉ።

እቶም ቀባእቲ ኣሰር ኣጻብዕቶም ንምቕማጥ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ስእሊ ሓሰማ ቅድሚ ምስኣሎም ከም ዘቕመጡዎ እቶም ተመራመርቲ ገሊጾም።

ጉጅለ ምርምር እዚ ስነ ኳዕቲ ካብቲ ዝተረኽበ ቅብኣ ቅምሶ ደምን ምራቕን ብምውሳድ ተወሳኺ ምርምር ክገብሩ ተስፋ ኣለዎም።

ዕድመ እቲ ቅብኣ ኣብ ዓለምና ጥንታዊ ዘብሎ'ኳ እንተኾነ፡ ጥንታዊ ሰብ ሰራሕ ጥበብ ግን ኣይኮነን ተባሂሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸበን 73 ሽሕ ዓመት ዘቑጸረን ምልክት "ሃሽታግ" [#] ዘለዎ ኣብ እምኒ ዝተቐረጸ ቅብኣ ናይ ዓለምና እቲ ዝዓበየ ቅብኣ ኢድ ከም ዝኾነ ይዝረብ።