እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓላፊ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብዘይተፈልጡ 'ሓይልታት' ተቐቲሉ
ሓደ ካብ ሰብመዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ፍሉጥ ደራፋይ እምብዛ ታደሰ "ብጠለፍቲ ሓይልታት" ተጨውዩ ድሕሪ ምጽናሕ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ተረጋጊጹ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እናኸደ እንከሎ ብዘይተፈልጡ ሰባት ከምዝተጨውየን፡ ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ ሬሳኡ ከምዝተረኽበን ሓቢሩ።
"ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብግምት ከባቢ ሰዓት ሸውዓተ፣ ካብ ቤት ጽ/ፈቱ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ንምጉዓዝ ኣብ ዝሸባሸበሉ፣ ንግዝይኡ ብዘይተፈልጡ ጠለፍቲ ሓይልታት ተዓፊኑ ከምዝተወስደ" እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
"ብሓይልታት ፌደራል ፖሊስ ብዝተኻየደ ዳህሳስ ትማሊ ረፋድ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ኣብ ከባቢ ዓይደር ፍሉይ ስሙ "ሓዱሽ ወኽኒቤት" ዝበሃል ቦታ ብጨካናት ስርዒት ፈፀምቲ ልኡኽቶ ሽብር ከተማ ተቐቲሉ ኣስከሬኑ ለዛብእ ካብ ዝተደርበየሉ ቦታ ቁርፅራፅ ኣካል ሰውነቱ ብምፍላይን ተወሳኺ ምርመራታት ብምክያድን፣ ጭካነ ዝተመልኦ አረመኔያዊ ቕትለት ከምዝበፅሖ ተረጋጊፁ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ ስጉምቲ፡ "ምሒር ጭካነ ዝተመልኦ ካብ ፍጡር ወድሰብ ትፅቢት ዘይግበር ፍፁም አረመኔያዊ ወንጀል ቅትለት" ክብል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮኒንዎ'ሎ።
ነቲ ቅትለት ብምጽራይ "ዘየዳግም መምሀራይ ስጉምቲ ከምዝወስድ" ዘጠንቀቐ እቲ መግለጺ፡ ብሞት ኢንጂነር እምብዛ ታደሰ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።
ብሰመረት ሓበሬታ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ልዕሊ 50 ሰብመዚ ናይቲ ምምሕዳር ብተመሳሳሊ መገዲ "ብግፍዒ ተቐቲሎም" ኣለዉ።
እምብዛ ታደሰ መን'ዩ?
እምብዛ፡ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ደቡብ ኣስታት 40 ኪ.ሜ ርሕቐት ኣብ እትርከብ ዓዲጉደም ከምዝተወለደ ይግለጽ።
ብትምህርቱ ንፉዕ ብምንባሩ ድማ ናብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኣብ ናይ ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቶም ዝለዓለ ውጽኢት ዘምጽኡ ተምሃሮ ጥራይ ዝኣትዉሉ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ቀላሚኖ ኣትዩ።
ኣብኡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቱ ምስወደአ ከኣ ናብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ብምእታው ቀዳማይ ዲግሪኡ ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ወዲኡ።
ገና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ከለዉ ኤጀንሲ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኢትዮጵያ (ኢንሳ) ካብ ዝጣየሽ ገና ኣዋርሕ ዘቑጸረ ብምንባሩ፡ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ብምዝርራብ ንኹሎም ተምሃሮ እቲ ኢንስቲትዩት ክቖጽሮም ከሎ እምብዛ'ውን ሓደ ካብኦም ከምዝነበረ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቲቪ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ተዛሪቡ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሓደ ካብ ምስረቲን ሓላፊን ናይቲ ናይ ጸጥታ ትካል ምንባሩ ይዝከር።
ብድሕሪ'ዚ ክሳብ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝጀመረሉ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሕን ይነብርን ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ናብ ከተማ መቐለ ብምምጽእ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝቖመ ጊዚያዊ ምምሕዳር ሓላፊ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኮይኑ ክሳብ ህይወቱ ዝሓለፈሉ እዋን ይሰርሕ ነይሩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ነቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝተኣልየ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ተኪኡ ክሰርሕ ዝተመዘዘ'ዩ።
እቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንዶ/ር ሙሉ ነጋ ዝተክኦ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ኣብዚ እዋን'ዚ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ዩ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ተመሊሱ ምህላዉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት። ጃምላዊ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ምግሃስ መሰላት ከምዝተፈጸሙ'ውን ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት ይኸሱ።
እቲ ግጭት ሰፊሕ ምፍንቓልን፡ ክሳብ ዓጸቦ ዝበጽሐ ጥምየትን ኣስዒቡ ምህላዉ'ውን ይፍለጥ።