እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2021፡ መርሃዊ ቅዱስን ኣድያም ተስፋለምን ብግዜ ተዓዊቶም
ሎሚ ኣብ ዝጀመረ ቻይምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ኣድያም ተስፋለም ተዓዊታ'ላ።
ካብ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ-ተባዕትዮ ጴጥሮስ መንግስ፡ ካብ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ዳናይት ፍጹም ክዕወቱ እንከለዉ፡ ካብ ማእከላይ ዕድመ፡ ጁንየር፡ ድማ ሚልክያስ ቅዱስን ሞናሊዛ ኣርኣያን ቀዳሞት ኮይኖም ኣለዉ።
ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2021 ኣብዚ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ውድድር፡ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ተኸፋፊሉ ሰለስተ ደረጃታት ውድድር እዩ ክካየድ።
ኣብዚ ሎሚ ኣብ መንገዲ ኩትሞኣውሊዕ-ሕምብርቲ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ባይክ አይድ መኽሰብ ደበሳይ ካልኣይ: ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስቤኮ ዳዊት የማነ ኸኣ ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ከምዝዛዝሙ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ቀዳማይ ኮይኑ ዝዛዘመ ተቐዳዳማይ፡ ብዘይካ እቲ ዝረኽቦ ክብሪ ቻምፕዮንነት ምስ ዝኾነት ጋንታ ኮይኑ ኣብ ዝገብሮ ውድድራት ባንዴራ ኤርትራ ዘለዋ ማልያ ገይሩ'ዩ ዝወዳደር፡ እዚ ኸኣ ዝኾነ ተዓዛቢ እቲ ተቐዳዳማይ ናይቲ ዓመት ቻምፕዮን ናይ ሃገሩ ምዃኑ ብቐሊሉ ክፈልጦ የኽእሎ።
ኣብ 1994 ዝተወለደ፡ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2019 መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ውድድራት ዓቢ ተሞክሮ ዘለዎ ተቐዳዳማይይ እዩ።
ጋንትኡ ኣስታና'ውን ኣባላ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ኮኑ ብምዕዋቱ ሓጎሳ ገሊጻ ኣላ።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ ተቐዳደምቲ
2019: ናትናኤል ብርሃነ
2018: መርሃዊ ቅዱስ
2017: ሜሮን ብርሃነ
2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
2015: ናትናኤል ብርሃነ
2014:ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
2013: ሜሮን ተሾመ
2012: ዳንኤል ተክለሃይማኖት
2011: ፍረቃልሲ ደበሳይ