ኣብ ውቅያኖስ ዝግበር ፈተነ ኣጽዋር ክሳብ ክንደያ ሃስያ የውርድ ይኸውን?

ኣብዚ ስእሊ፡ ዓቢ ክፋል እዚ ባሕሪ ናብ ጻዕዳ ተቐይሩ ኣሎ፡ እቲ ድሒሩ ዝተፈጠረ ብርቱዕ ማዕበል ኸኣ ነታ ካሜራ ዓቢ ነዝነዝታ ፈጢሩላ።

ብድሕሪ እዚ ብዙሕ ማይ ናብ ሰማይ ከውንጨፍ ይረአ፡ ሕጊ ተፈጥሮ ንኸይተርፍ ኸኣ ብስሕበት መሬት ናብ ዝነበሮ ይምለስ፡ ካብቲ ቦታ ቅሩብ ርሕቕ ኢላ ኸኣ ዓባይ ናይ ውግእ መርከብ ትረአ።

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ነፈረቲ ውግእ እትጽዕን ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ ዝተሰመየት ሓዳስ ናይ ውግእ መርከብ ኣብ ከባቢኣ ንዝፍጥር ነቱጒ ክሳብ ክንደይ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣለዋ ንምፍላጥ ፈተነ ኣካይዱ ነይሩ።

ነቲ ፈተነ ንምክያድ 18 ቶን ተባረዒ እዮም ተጠቒሞም፡ እዚ ኸኣ ክልተ ዕጽፊ ናይቲ ብኣመሪካ ዝውነን 'ማዘር ኦፍ ኦል ቦምብስ' ዝብሃል ዝበርተዐ ዘይኒኩለራዊ ቡንባ እዩ።

እቲ ዝተፈጠረ ነቱጒ ኣዝዩ ብርቱዕ ከም ዝኾነን ኣብቲ ከባቢ 3.9 ሬክተር ዓቐን ምንቅጠቃጥ መሬት ከምዝፈጠረን ትካል ሜትሮሎጂ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ብዙሓት ሰባት'ውን ነቲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክቐባበልሉ ተራእዮም።

ነቲ ብርቱዕ ነቱጒ ዝርኣዩ ሰባት ኸኣ "እቲ ነቱጒ ኣብ ማያዊ ኣካል እንታይ ዓይነት ሃስያ የውርድ ይኸውን?" ዝብል ሕቶ ይደጋግሙ ነይሮም።

ናይ ሞት ዓንኬል

ኤዲተር ቢቢሲ ሳይነስ ዴቪድ ሹክማን "እቲ ነቱጒ ንሓንቲ ናይ ውግእ መርከብ ከዕኑ ዝኽእል እነተኾይኑ ኣብ ማያውያን ፍጥረታት ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል "ገፈፍቲ ዓሳ፡ ዓሳ ንምሓዝ ሚና [ዳይናማይት] ይጥቐሙ'ዮም፡ ስለዚ እዚ ነቱጕ እዚ ንማያውያን ፍጥረታት ክቐትሎም ይኽእል እዩ፡ እቲ ነቱጒ ብርቱዕ እንተኾይኑ ኸኣ ብተዛማዲ ብዙሓት ማያውያን ፍጥረታት ክቐትል ይኽእል" ይብል።

ሚካኤል ጃስኒ፡ ዳይረክተር ምክልኻል ኣጥበውቲ ፍጥረታት ማይ ኮይኑ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ካብቲ ነቱጒ ዝተፈጠረሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኪሎ ሜተር ጩራ (ኣርባዕተ ኪሎሜተር ሰንጣቂት) ዝርከቡ ፍጥረታት ክሞቱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ፡ እቶም ካብቲ ነቱጒ ኣስታት ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ርሒቖም ዝርከቡ ኸኣ ክጸምሙን መጠናዊ ጉድኣትን ከጋጥሞም ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ድምጺ ብዙሓት ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ማያውያን ፍጥረታት ከበሮ እዝኖም ክትኮስን ክጸሙን ከምዝኽእሉ ኸኣ ዴቪድ ሹክማን ይሕብር።

"ማዕበል ድምጺ ኣብ ማይ ብዙሕ'ዩ ዝጉዓዝ፡ ዓሳ ነባሪ ዋላ ኣማኢት ኪሎሜተር ተረሓሒቆም እንከለዉ ንሓድሕዶም ንምርድዳእ ናይ ድምጺ ማዕበል ይጥቀሙ። እቲ ነቱጒ ኣዝዩ ብርቱዕ ምስ ዝኸውን ክፈጥሮ ዝኽእል ዕንወት ንምርዳእ ኸኣ ካብዚ ነጥቢ እዚ ክንብገስ ንኽእል ኢና፤ እቲ ብዙሕ ዘይስማዕ ድምጺ ዓሳ ነባሪ ኣማኢት ኪሎ ሜተራት እናተወንጨፈ፡ እቲ ብርቱዕ ነቱጒ ኣበይ ክብጽሕ ይኽእል?"

መብዛሕትኦም ከም ዓሳ ነባሪ ዝኣመሰሉ ኣጥበውቲ ማያውያን ፍጥረታት ኣብ ማያዊ ባይታ እዮም ዝነብሩ፡ ክሳብ 2,000 ሜትሮ ንውሽጢ ተነቒቶም ኸኣ መዓልታዊ ንጥፈታቶም የካይዱ፡ ናብ ውሽጢ ውቕያኖስ እናተነቖቱ ኣብ ዝኸድሉ ብርሃን ጽሓይ ነቲ ማይ ሰንጢቑ ታሕቲ ስለዘይበጽሕ ኣዝዩ ጽልማት'ዩ ንሓድሕዶም ኸኣ ብድምጺ እዮም ዝርዳድኡ፡ ብሰንኪ ብርቱዕ ነቱጒ ክሰምዑ እንዘይክኢሎም ግን ክነብሩ'ውን ኣይክእሉን'ዮም።

ካብዚ ብምብጋስ'ዮም ተመራመርቲ፡ 'ጸማም ዓሳ ነባሪ ምዉት'ዩ' ዝብሉ።

ኣብ ውሽጢ ማይ ዝግበር ናይ ነቶጕቲ ፈተነ፡ ብርቱዕ ናይ ማይን ናይ ድምጽን ማዕበል ይፈጥር'ዩ፡ ብሰንኪ እቲ ብቅጽበት ዝፍጥር ብርቱዕ ድመጺ ብዙሓት ማያውያን ፍጥረታት ከምዝሞቱ ኸኣ ሕሉፍ ሰነዳት የረድእ።

ኣብ ነሓሰ 2019 ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ክልተ ነቶጕቲ ተረፍ ናይ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንምብርዓን ብዝተፈጠረ ነቱጒ ብውሕዱ ሸሞንተ ፖርፕስ ዝብሃሉ ዓሌታት ሓሰማ ባሕሪ ከምዝጸመሙን ከምዝሞቱን ኣብ ግዚኡ ተሓቢሩ ነይሩ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት'ውን ኣብ ስኮትላንድ ብስንኪ ነትጒ ብዝተፈጠረ ብርቱዕ ማዕበል 39 ዓሳ ነባሪ ናብ መሬት ተደፊኦም ከምዝወጽኡን ካብኦም እቶም 19 ከምዝሞቱን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ 2013'ውን ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ባሕርን ውቅያኖሳትን ዝግበር ልምምድን ፈተነ ነቶጕትን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ኣማኢት ዓሳ ነባርን ዶልደፊንን ክቐትልን ኣሽሓት ከሰንክል ከምዝኽእል ግምታቱ ብመጽናዕቱ ኣሰንዩ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ግዝፊ'ውን ወሳኒ'ዩ

ዋላ እኳ ብዛዕባ እቶም ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዝግብር ፈተነ ኣጽዋር ዝሞቱ ዓበይቲ ማያውያን ፍጥረታት መጠናዊ ኣፍልጦ ይሃሉ፡ መጠን ናይቶም ንኣሽቱን ብሰንኪ እቲ ነቱጒ ዝያዳ ክህሰዩ ዝኽእሉ ማያውያን ፍጥረታት ንምፍላጥ ግን ኣዝዩ ኣሸጋሪ'ዩ።

ፒተር ዋርድ፡ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝፍተኑ ነቶጕቱ ዝፈጥርዎ ዕንወት ዘጽንዕ ተመራማሪ ኮይኑ ኣብ 2015 ሓደ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ፒተር፡ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ መዓላ ዝወዓለ ተፈንጃሪ ኣብ ማያውያን ፍጥረታት ክሳብ ክንደይ ይንወት ከስዕብ ይኽልእ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣቶኵሩ'ዩ መጽናዕቱ ኣካይዱ።

"ብሓፈሻ ናይ ማይ ነቶጕቱ ካብ 450 ክሳብ 680 ኪ.ግ ዝምዘን ተባራዒ ኣካል እዩ ዘለዎም፡ እዚ ኸኣ ካብቲ ዝተፈንጀርሉ ከባቢ ካብ 300 ክሳብ 630 ሜትሮ ርሒቖም ዝርከቡ ፍጥረታት ምሉእ ንምሉእ ክቐትል ዝኽእል እዩ፡ እቲ ክብደት ናይ ተፈንጃሪ እናወሰኻ ኣብ ዝኸደሉ ኸኣ መጠን ሳዕቤኑን ዝሽፍኖ ቦታን እናወሰኸ ይኸይድ" ይብል።

ፒተር ብምስዓብ "እቶም ማያውያን ፍጥረታት ዝገዘፉ ዝንተኾይኖም ዝያዳ ብህይወት ናይ ምትራፍ ዕድል ኣለዎም" ይብል።