እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ እዋን ኮቪድ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሚልዮነራት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ
ዓለም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከቢድ ቁጠባውን ጥዕናውን ጸገማት ኣብ ዝተሸመመትሉ ኣብ 2020 ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ሚልዮነራት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።
እቲ ብክረዲት ሲዩስ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2020 እቶም ድኻታት ዝነበሩ ናብ ክቱር ድኽነት ከምርሑ እንከለዉ፡ ቁጽሪ ሚልዮነራት ግን ብ5.2 ሚኢታዊት ብምውሳድ ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ሚልዮነራት 56.1 ሚልዮን ምብጽሑ የረድእ።
ዋጋ ገዛውትን ዝተኸዘነነ ንብረትን ብናህሪ ስለዝወሰኸ፡ ኣብዚ ጽላት እዚ ካብ ዘውፈሩ ሰባት ብዙሓት ኣብ 2020 ሚልዮነራት ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ኸኣ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ መጽናዕቲ፡ ካብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ዓለማዊ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ኣብ 2020 ብዙሓት ጸብለል ኢሎም ከምዝወጽኡን ሚልዮነራት ከምዝኾኑን እዩ ዘረድእ።
ጸሓፊ ግሎባል ዌልዝ ሪፖርት ኣንቶኒ ሾሮክ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ ተሪርን ሓጺርን ጽልዋ ነይርዎ" ድሕሪ ምባል ኣብ መወዳእታ ሰነ 2020 ከምዝተቐየረ ይሕብር።
"ብደረጃ ዓለም ገንዘብ ዘኻዕብቱ ሰባት ከምቲ ኣብ መጀመርታ ደው ዝበልዎ ደው ኣይበሉን ኣብ ካልኣይ ፍርቂ ዓመት ቁጽሮም ብናህሪ'ዩ ወሲኹ" ይብል።
ኣብ 2020 ናይ ደቂ ሰባት ናይ ሃብቲ ፍልልይ ዓቢ ጋግ ከምዝፈጠረ ዝሕበር ኣንቶኒ ሾሮክ: ኣብ 2020 ብዙሓት ሓደሽቲ ሚልዮነራት ንኽፍጠሩ ናህሪ ዋጋ ገዛውቲ ቀንዲ ሮቋሒ ምንባሩ'ዩ ዝገልጽ።
ኣንቶኒ ሾሮክ፡ ብደረጃ ዓለም ሃብቲ ደቂ ሰባት ብ7.4 ሚኢታዊት ከምዝወሰኸ ብምግላጽ፡ እንተኾነ እቲ ወሰኽ ናይ ሃብቲ ብደረጃ ብዝሒ ዓለም ክረአ እንከሎ ኣብ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ዝተሓጸረ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ኣብ መጀመርታ 21 ክፍለዘመን ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 100 ሽሕ ዶላር ቅሙጥ ገንዘብ ናይ ዝነበሮም ሰባት ብዝሒ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ፤ ኣብ 2000 ዓ.ም፡ 507 ሚልዮን ዝነበሩ ኣብ 2020 ግን 1.7 ቢልዮን ከምዝበጽሑ እቲ ዝተካየደ መጽናዕቲ ይሕብር።
እቲ ምኽንያት ኣብ ከም ብዓል ቻይና ዝምዝገብ ዘሎ ቁጠባዊ ብልጽግናን ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ብዙሓት ሰባት ናብ ማእከላይ እቶት ናብ ዝብሃል ደረጃ ስለዝደየቡ እዩ።
ኣብ ክረዲት ሱዩሰ፡ ላዕለወይቲ ሓላፊት መጽናዕቲ ወፍሪ ዝኾነት ናነዝ ሃቸር ፋይድሀርብ "መንግስታትን ባንክታትን ነቶም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተሃሰዩ ውልቀሰባት መጠን ወለድ ብምጉዳል ገንዘብ ብምዱጓምን ብዙሕ ሓገዛት ከምዝገበራ ዘይከሓድ ኮይኑ፡ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ዓቢ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣብ ምጉዳል ዓቢ ግደ ነይርዎ'ዩ" ኢላ።
ብምስዓብ "ባንክታት መጠን ወለድ ብምጉዳለን ዋጋ ገዛውቲ ክውስኽ ክኢሉ፡ ዋጋ ገዛውቲ ምውሳኹ ኸኣ እቶም ኣብ ህንጻን መሸጣ ገዛውትን ዝተዋፈሩ ሰባት መጠን ሃብቶም ክውስኽ ክኢሉ" ትብል።