እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምስሕሓብ ግድብ ህዳሰ ጣልቃ ክኣቱ ጸዊዓ
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ጣልቃ ክኣቱ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ሓቲታ፡፡
ሱዳን እቲ ግድብ ‘‘ኣብ ውሕስናን ድሕነትን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዘሕድሮ ጽልዋ’’ ብዝምልከት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተራኺቡ ክዛተ ድልየት ኣለዋ፡፡
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሚርያም ኣል-ማህዲ ንሓላፊ እቲ ባይቶ ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ኢትዮጵያ ‘‘በይናኣዊ’’ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ደው ክተብል ክምሕጸና ሓቲታ፡፡
ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ዛጊድ ዘይሰመረ እንትኾን ኣብ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ዘሎ ምስሕሓብ እውን ቀጺሉ እዩ፡፡
እቲ ግድብ ን 60 ምኢታዊት ህዝባ ሓይሊ ኤልክትሪክ ንምቕራብ ከምዘኽእላ እትገልጽ ኢትዮጵያ፡ ንዕብየታ ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ትነግር፡፡ ሩባ ናይል መሰረት ህይወት ህዝባ ከምዝኾነ እትገልጽ ግብጺ ድማ እቲ ግድብ ኣብ ፍሰት እቲ ሩባ ጸገም ክፈጥር ስለዝኽእል የስገአኒ እዩ ትብል፡፡
ኣብ መንጎ እተን ሃገራት እትርከብ ሱዳን ብግዲኣ፡ ዘየሰማምዑና ጉዳያት ከይፈታሕና ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ፡ ንሃገራዊ ድሕነተይ ሓደጋ እዩ ትብል፡፡
ሱዳን መምርሒታት ምቕማጥ ከይኮነስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተሓዝ መጠን ማይን ነቲ ግድብ ንምላእ ዝወስድ ግዘን ቀያዳይ ስምምዕ ክትፍርም እያ እትደሊ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ቀጻሊ ዘይምርድዳእ ምስዘጋጥም ጸገማት ከመይ ክፍትሑ ከምዘለዎም ግልጽነት ክህሉ ትጠልብ፡፡