ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ልዝበን ንምዝዛም ተሰማሚዐን

ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን፡ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዘካይድኦ ዝነበራ ልዝብ ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ንምዝዛም ዝተሰማምዓ እንትኾና፡ ኢትዮጵያ ድማ ድሕሪ ክልተ ሰሙናት ነቲ ግድብ ማይ ንምምላእ ከምዝተለመት ኣፍሊጣ።

ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚመዓልቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ልዝበን ብምዝዛም ኣብ ስምምዕ ክበፅሓ ምውሳነን ሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ፡ እተን ሃገራት ጉዳየን ብሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝተትሓዘ፡ ንቤት-ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጣን፡ ሰለስቲአን ሃገራት ካብ ዘየድልይ ምውጣጥ መራኸብቲ ሓፋሽ ክቑጠባን ተሓቲተን'የን።

ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ፀዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ (ዶክተር) ድማ፡ ብመሪሕነት ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃን ሲሪል ራማፎሳ፡ ትማሊ ምሸት ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዘሎ ግዘ ልዝበን ክዛዝማ ከምዝተሰማምዓ ብትዊተር ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ እንከሎ ኢትዮጵያ ኣብቶም ቀፀልቲ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዝካየድ ልዝብ እንተዘይተሰማሚዖም፡ ንግድብ ህዳሰ ማይ ምምላእ ከይትጅምር ከምዝተሰማምዓ፡ ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያ ብተናፀል ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ከምዘይትጅምር ድማ፡ ካብ ቤት-ፅሕፈት ፕረዝደንት ግብፂ ዝወፅአ መግለፂ ብምጥቃስ ገሊፁ።

"ንዕውትነት እቲ ልዝብ፡ ኢትዮጵያ በይናዊ ስጉምቲ ከምዘይትወስድ" ፕረዝደንት ግብፂ ኣል-ሲሲ ምዝራቡ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን፡ ኢሉ ሮይተርስ።

ማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ይህነፅ ንዘሎ ዓብይ ግድብ ማይ ናይ ምምላእ ትልማ ከምተደንጉዮ፡ ንፕረዝደንት ግብፂ ብምፅራሕ ፀብፂቡ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እቶም ይወፅኡ ዘለዉ ሓበሬታት ካብ ሰብመዚ ኢትዮጰያ ንምፅራይ ይፍትን ኣሎ።

ብወገን ኢትዮጵያ ግና፡ ሚኒስተር ማይ እታ ሃገር ኣብ ትዊተሩ ከምዝገለፆ፡ ኣብ ቀፀልቲ ሰሙናት ልዝበን ንምዝዛም'ምበር፡ ብዛዕባ ምምላእ እቲ ግድብ ዝገለፆ ነገር የለን።

ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ቢልየን ዶላር ዝወደኣ ፕሮጀክት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ንዓመታት ክካየድ ዝፀንሐ ልዝብ ግና፡ ክሳብ ሎሚ ብዘይ ገለ ውፅኢት ቀፂሉ ኣሎ።

ቅድሚ ሰሙን ብኢንተርኔት ይካየድ ዝነበረ ልዝብ'ውን፡ ግብፂ ነቲ ጉዳይ ናብ ሕቡራት ሃገራት ምውሳዳ ስዑቡ ምቁራፁ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ፡ ነቲ ግድብ ፈላማይ ብርኪ ማይ ምምላእ ከምትጅምር ቅድሚ ኣዋርሕ ዘፍለጠት እንክትኸውን፡ ግብፅን ሱዳንን ተቓዊመን ነይረን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር'ውን ፡ ኢትዮጵያ "ካብ ዝኾነ ወገን ይኹን እንከይተፀበየት፡ ብመሰረት ዝሓዘቶ ትልሚ ነቲ ግድብ ማይ ከምዘትመልእ" ገሊፁ ነይሩ።