እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሊግ ሃገራት ዓረብ ንግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ንዘቅረበኦ ሓሳብ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ
ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ዘተ ከካይድ ንዘቕረበኦ ሓሳብ ኢትዮጵያ ተቃዊማቶ።
ኣብ ቀጠር ትማሊ ኣኼባ ዘካየዱ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ማሕበር ሃገራት ዓረብ: ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዘተ ካካይድ ለበወኦም ኣሕሊፎም ኣለዉ።
ንመግለጺ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣመልኪቱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቤት ምኽሪ ሊግ ሃገራት ዓረብ ብዘውጽኦ ሓሳብ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።
መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብምስዓብ፡ ሊግ ሃገራት ዓረብ ጌጋ ዝኾነ መርገጺ ክወስድ እዚ ናይ መጀመርትኡ ከምዘይኾነ ብምግላጽ፡ እዚ ትማሊ ዝወጸአ መግለጺ’ውን መቐጸልታ ምዃኑ ብምሕባር ነቲ ሓሳብ ‘ኢትዮጵያ ምሉእ ንምሉእ ከምዘይትቕበሎ’ ኣፍሊጡ።
ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ጠለብ ብምቕራበን ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዛተያን ድሕሪ ዘተአን ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ክዛተ ሕቶ ከምዘቕረቡ ዋና ጽሓፊ እቲ ሊግ ኣሕመድ ኣቡል ጋሂት ድሕሪ ኣኼባ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።
ማሕበር ሃገራት ዓረብ ንሃገራት ግብጽን ሱዳንን ንምድጋደፍ’ውን “ቀስ ኢሎም ኣብ ዝውሰዱ ስጉምትታት” ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ንጋዜጤኛታት ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሞሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ኣልታኒ ዝርዝር እቲ ዝተበጽሕ ስምምዕ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይገለጸን።
ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን ሕጽረት ማይ ከስዕብ ዝኽእል ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ተቖጢባ “ብቅንዕና” ዘተ ከተካይድ ጸዊዐን ኣለዋ።
እተን ሃገራት ሩባ ኣባይ ቀንዲ ሕመረት ህላወ ግብጽን ሱዳንን ከምዝኾነ ብምግላጽ፤ ኢትዮጵያ ንክልትኤን ሃገራት ዝጎድእ ተግባር ከይትፍጽም ክጽውዓ እንከለዋ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሩባ ኣባይ መፍትሕ ጸገማት ሚሊዮናት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ብምግላጽ ሚሊዮናት ኢትዮጵያውያን ካብ ድክነት ንኽናገፉ ሩባ ኣባይ ናይ ህላወ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጸኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ ሊግ ሃገራት ዓረብ፡ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ “ዓለምለኻዊ ጉዳይ ገይርካ ንምቅራብ ዝተሃቀነ ፍሹል ፈተነ’ዩ” ብምባል እቲ መግለጺ ናይ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፡ ዞባዊ ምትሕብባር ንምስሳን ዋላ ሓንቲ ኣስተዋጽአ ዘይብሉ ሓሳብ እዩ ኢልዎ።
ሃገራት ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንምሕደራን ኣመላልኣን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪተን ብሞንገኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ብተደጋጋሚ ክራኸባ ጸኒሓን እየን፡ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኮንጎ ኪንሳሻ እኳ እንተተራኸባ ናብ ሓደ ደምዳሚ ስምምዕ ክብጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ።
ግብጽን ሱዳንን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንመጠን ማየን ከየጉድሎ ስግኣት ኣለወን።
ኢትዮጵያ ብወገና ካብቲ ግድብ ንልዕሊ 65 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ቀረብ ኤለትሪክ ከተመንጭወሉ ምዃናን ኣብቲ ናብ ግብጽን ሱዳንን ዝፈስስ ማይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዎ እያ ትማጎት።
እቲ ብልዕሊ ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎን ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ዓቢ ግድብ ህዳሰ-ኢትዮጵያ ምስ ተዛዘመ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓጽቢ ከምዝኸውንን፡ ልዕሊ ሓሙሽት ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ከምዝህልዎን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ማይ እቲ ሓጽቢ ቅድሚ ዓመት እዩ ተኻይዱ፡ ካልኣይ ዙር ኸኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምዝካየድ ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ።
እቲ ሓጽቢ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ብኸፊል ምምንጫው ጽዓት ከምዝጅምር’ውን ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ።