ሱዳን ኣብ ድሮ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ ዘምጽኣቶ ሓዲሽ ሓሳብ መርገጺኣ ከምዘቐየረት ዘርኢ ድዩ?

ኢትዮጵየ ካልኣይ ገጽ ምምላእ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንምክያድ ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ ግዜ፡ ኣብ ገለ ኩነታት ምትዕርራይ እንተተገይሩ ኣብቲ ግዜያዊ ስምምዓት ንምፍራም ድልውቲ ከምዘላ ሱዳን ገሊጻ።

ሱዳንን ግብጽን ንሰለስቲኤን ሃገራት [ግብጺ፤ ሱዳንን ኢትዮጵያን] ዘማእከለ ቀያዲ ስምምዕ ከይተኸተመ ኢትዮጵያ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከይተካየድ ተሪር መርገጺ እየን ሒዘን ጸኒሐን፡ ሱዳን ሕጂ ዝሃበቶ መግለጺ ግን መርገጺኣ ከምዝቀየረት ዘርኢ እዩ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ሚኒስተር መስኖ ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ዓባስ ብሰኑይ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሱዳን ነቲ ግዝያዊ ስምምዕ ንኽትፍርም ሰለስተ ቅድመ ኩነት ኣቕሪባ ከምዘላ ንሮይተርስ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሚኒስተር ዝሃቦ መግለጺ፤ እቶም ሱዳን ንዘተ ኣቕሪባቶም ዘላ ቅድመ ኩነት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሓምለ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ምስ ኣካየደት ነቲ ዘተ ክቅጽል ቃል እንተኣትያን እቲ ዘተ ከምዝካየድ መረጋገጺ ሰነድ እንተኣቕሪባን ከምኡ’ውን ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘተ ተካይድሎም ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሑ ክልተ ነጥብታት ክታማ እንተኣንቢራትሉ ዝብል ክልተ ነጥብታት ኮይኑ እቲ ሳልሳይ ኸኣ ድሕሪ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ዲጋ እቲ ዘተ መዓስ ከምዝካየድ መዓልቲ ክውሰን ዝብል እዩ።

ሱዳንን ግብጽን ኣቐድም ኣቢለን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርኦ ዝነበራ ስሉሳዊ ዘተ፡ ኣብ ምምላእን ኣጠቃቅማ እቲ ግድብን ቀያዱ ዝኾነ ስምምዕ ክኽተም ኣብ ዝብል ነጥቢ ተሪር መርገጺ’የን ሒዘን ጸኒሐን: እዚ ኸኣ ናብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ከይብጻሕ ዓንቃጺ ነጥቢ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

ሰለስቲኤን ሃገራት ክገብርኦ ኣብ ዝጸንሓ ተደጋጋሚ ዘተታት ኣብ ሓያለ ነጥብታት ክሰማማዕ እኳ እንተከኣላ ኣብ ሓደ ዛዛሚ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን።

እዚ ሕጂ ሱዳን ብመንገዲ ሚኒስተር መስኖኣ ዝሃበቶ መግለጺ ግን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ሒዛቶ ዝጸንሐት መርገጺ ዝተፈለየ ምዃኑ እዩ ሮይተርስ ዝሕብር።

ኢትዮጵያ: ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመታት ዘቁጸረ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ነፍሲ ወከፍን ጥቕመን ከይጎድለን ንምክልኻል ተሪር ዝኾነ መርገጺታት ሒዘን ብምህላወን ኣብ ሓደ ንኹለን ዘማእክል ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ።

እቲ ኣብ ስምምዕ ዘይምብጽሓን ናብ ሓደ ሓርፋፍ ናይ ቃላት ምምልላስ ስለዘምርሐን ኸኣ ናብ ኵናት ከየምርሓ ብዙሓት ስግኣቶም ይገልጹ’ዮም።

ሚኒስተር መስኖ ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ዓባስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ኣማራጺ ርእያቶ ከምዘይትፈልጥ ንማዕከን ዜና ሱና ገሊጹ።

ሱዳን ከም ቀንዲ መፍትሒ ኢላ ሒዛቶ ዘላ ሕጋውን ፖሎቲካውን መስመራት ምዃኑ’ውን እቲ ሚኒስተር ጠቂሱ።

ሱዳን ብመገዲ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፤ ፈተውቲ ሃገራትን ብካልእ ግዱሳትን ዝቐርብ ሓሳባት ዓቢ ኣቶኵሮ ከምእትህቦ እያ ትገልጽ።

ብኣንጻሩ ኣብ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ ንምስታፍ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳሚ ሽኩሪ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግብጺ ኣብ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ረብሓኣ ንክትሕሉ ኩሉ ኣማራጺታት ንኽትጥቐም መዓጹ ርሑው ምህላዉ’ዩ ገሊጹ።

ኣብ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ከም ሓደ ኣጀንዳ ተወሲዱ ክዝተየሉ ምዃኑ ዝገለጸ ሚኒስተር ሳሚ “ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ እዚ ሊግ ናብ ኢትዮጵያ ተሪር መልእኽቲ ከመሓላልፉ’ዮም” ኢሉ።

እዚ ሎሚ ዝካየድ ኣኼባ ሊግ ሃገራት ዓረብ፡ ጉዳይ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዘተ ክካየደሉ ግብጽን ሱዳንን እየን ሕቶ ኣቕሪበን፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ኸኣ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጎነን ደው ንኽብላ ኢለን እየን ተባሂሉ እዩ ዝእመን።

ሚኒስተር መስኖ ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ዓባስ፡ ሃገራት ሊግ ዓረብ ብዛዕባ እቲ ግድብ ንኽዛተያ ምዕዳም፡ እተን ኣባላት እቲ ሊግ ናይ ሱዳን መርገጺ ንኽርድኣኦ ተባሂሉ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ብምስዓብ፡ ሱዳን ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘለዋ እምነት ከምዘይተቀየረ ብምግላጽ፡ እንተኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ ንበይኑ መፍትሒ ከምጽእ ስለዘይክእል ካልኦት ኣካላት ንኽሳተፍዎ ንምዕዳም እዩ ኢሉ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብቲ ዘተ ካልኦት ኣካላት ክሳተፉ ብተደጋጋሚ እኳ ክጽውዓ እንተጸንሓ፡ ኢትዮጵያ ግን እቲ ጉዳይ ብሕብረት ኣፍሪቃ መፍትሒ ንኽረክብ ተሪር መርገጺ ሒዛ ይርከብ።

ሱዳን ነቲ ኢትዮጵያ ወጢናቶ ዘላ ካልኣይ ገጽ ምምላእ እቲ ግድብ ኣብ ዝምልከት ቅድመ ኩነት ብምቅማጥ ልእም ዝበለ መርገጺ እኳ እንተኣርኣየት ግብጺ ግን ዝኾነ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዝተፈለላየ ግዜ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ሓደ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሓ ተደጋጋሚ ጻዕሪ እኳ ከካይዳ እንተጸንሓ ሰለስቲኤ ሃገራት ግን ኣብ ሓደ ደምዳሚ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ።

ግብጽን ሱዳንን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንመጠን ማየን ከየጉድሎ እዩ ስግኣት ዘለወን።

ኢትዮጵያ ብወገና ካብቲ ግድብ ንልዕሊ 65 ሚልዮን ካብ ዜጋታታ ቀረብ ኤለትሪክ ከተመንጭወሉ ምዃናን ኣብቲ ናብ ግብጽን ሱዳንን ዝፈስስ ማይ ዝኾነ ጽልዋ ከምዘይህልዎ እያ ትማጎት።

እቲ ብልዕሊ ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎን ካብ ዝጅመር ዓሰርተ ዓመት ዝገበረ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ተዛዘመ ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ሓጽቢ ከምዝኸውንን፡ ልዕሊ ሓሙሽት ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ከምዝህልዎን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ቀዳማይ ገጽ ምምላእ ማይ እቲ ሓጽቢ ቅድሚ ዓመት እዩ ተኻይዱ፡ ካልኣይ ዘር ኸኣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ከምዝካየድ ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ።

እቲ ሓጽቢ ካብ ዝመጽእ ዓመት ጀሚሩ ብኸፊል ምምንጫው ጽዓት ከምዝጅመር’ውን ኢትዮጵያ ገሊጻ ኣላ።