ብስም መለስ ዜናዊ ዝጽዋዕ ዝነበረ ትካል ስልጠና መሪሕነት ስሙ ተቐዪሩ- ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

'መለስ ዜናዊ ሊደርሽፕ ኣካዳሚ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ መንግስታዊ ትካል ስልጠና ብኻልእ ስም ከምዝተተከአ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ እቲ ብስም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ዝጽዋዕ ዝነበረ ትካል 'ኣፍሪካን ሊደርሽፕ ኣካዳሚ (ኣፍሪቃዊ ኣካዳሚ መሪሕነት) ተባሂሉ ክስመ ከምዝወሰነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብትዊተር ሓቢሩ።

"ምስ ምቕያር ስም ተኣሳሲሩ፡ እቲ ኣካዳሚ፡ ንናይ 21 ክፍለ-ዘመን ናይ መሪሕነት ጠለብ ዝምጥን ብቕዓት ዘለዎ፡ ናይ ዕብየት ኣንፈት ዝሓዘ ኣተሓሳስባ ዝኹስኩስ ቀንዲ ናይ ትምህርቲ ትካል ንምዃን ዝህቅን እዩ" ኢሉ።

እቲ ኣብ 2014 ዝተመስረተ ትካል፡ "ንሕዳሰ ኢትዮጵያ" ዝበቕዑ መራሕቲ ንምፍራይ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ ስልጠናታትን ትምህርትን ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

"ብትምህርትን ስልጠናን ናይ መሪሕነት ብቕዓት መራሕቲ ብምምዕባል ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋጽ ከበርክት" ዝተበገሰ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትካል ይጠቅስ።

"እቲ ኣካዳሚ፡ ንኣርበክቶ ናይቲ ሃንዳሲ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዓቢዪ መራሒ ነፍስሄር ቀዳማይ ሚኒስተር [መለስ ዜናዊ} ንምዝካር ብስሙ ዝተጸውዐ እዩ" ይብል።

ሰልጠንቲን ተምሃሮን ናይቲ ትካል፡ ብሰርቲፊኬት፡ ዲፕሎማ፡ ካብ ቀዳማይ ዲግሪ ክሳብ ናይ ዶክተረይት መዓርግ ከምዝህብ'ውን ይሕብር።

እቲ ኣብ ነሓሰ 2012 ኣብ ወጻኢ ዝሞተ መለስ ዜናዊ፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዝነበረ ምዃኑ ይዝከር።

እቲ ሓደ ካብ መስረቲ ህወሓት ዝኾነ መለስ ምስ ሞተ፡ ምክትሉ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም'ዩ ተኪእዎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ንህወሓት "ኣሸባሪ" ጉጅለ'ዩ ብምባል ብውሳነ ናይቲ ስልጣኑ ዘብቅዕ ዘሎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምውሳኑ ይዝከር።