እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰምሃል መለስ ከምዝተፈትሐት፡ ኣዲኣ ኣዜብ መስፍን ሓቢራ
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዝነበረት ጓል ቀዳማይ ሚነስተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ሰመሃል መለስ ከምዝተፈትሐት፡ ኣዴኣ ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ሓቢራ።
ጓል ቀዳማይ ሚነሲተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ሰመሃል መለስ ምስ ወዲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ ብርሃነ መስቀል ሓየሎም ብሓባር ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት፡ ኣዲኣ ቀደማይቲ እመቤት ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ንቢቢሲ ትማሊ ሰኑይ ገሊጻ ነይራ።
"ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ብዛዕባ ማእሰርቲ ሰምሃል እንታይ ኢላ ነይራ?
ንሳ፡ ናይ ሰምሃል መለስ ምእሳር ከምዝሰምዐት እንተኾነ ዝርዝር ሓበሬታ ከመዘይረኸበት ሓቢራ ነይራ።
"ምእሳራ [ብሰንበት] እየ ሰሚዐ። ስለምንታይ ከምዝተኣስረት ግን መብርሂ ዝሃበኒ ሰብ የለን" ትብል።
"ብዙሕ ዝርዝር ነገር ክዛረብ ኣይክእልን" እትብል ወይዘሮ ኣዜብ፡ ኣብቲ እዋን ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ምክልኻል ሃገር ጓላ ሰምሃል መለስ፡ 'ብመንግስቲ ትድለ ኣላ' ኢሉ ተዛሪብዋ ከምዝነበረ ግን ገሊጻ።
"ጓለይ ዝኾነ ፖለቲካዊ መርገጺ ይህልዋ ይኸውን ምበር፡ ናይ ዝኾነ ውድብ ኣባል ኣይኮነትን፤ ኣባል አመራርሓ'ውን ኣይኮነትን፤ ደጋፊት'ውን ኣይነበረትን፤ ተሳታፊት'ውን ኣይነበረትን። እዚ 100 ፐረሰንት እምስክረላ እየ" ብምባል ስለምንታይ ከምዝተኣሰረት ከምዘይበርሀላ ትዛረብ።
"እዚ [ዝበልኩ]፡ ጓለይ ስለዝኾነት ዘይኮነስ፡ ደረቕ ሓቂ ስለዝኾነን ክጻረ ዝኽእልን ስለዝኾነን እዩ" ኢላ።
ናብ ቲያትር ዝተቐየረ መጽሓፍ ናይ ኣቦኣ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ፡ ክተምርቕ ምስ ሓደ ዓብዪ ጉጅለ ናብ መቐለ ከምዝኸደት ተዛሪባ።
ካብኡ፡ ምስቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተወለዐ ጎንጺ ስዒቡ፡ በረራ ስለዝተዓጽወ ብኡ ኣቢላ ከምዝተረፈት ድማ ወሲኻ ሓቢራ።
ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን፡ ሓይልታት ጸጥታ፡ ጓላ ሰምሃል ምስ ወዲ ሓየሎም ኣርኣያ ብርሃነ መስቀል ብለይቲ ከምዝተኣስረትን ኣስታት 50 ዝኾኑ ነበርቲ 'ናበይ ይወስድዋ ኣለዉ?" ኢሎም ተኸቲሎምዋ ከምዝነበሩን'ውን 'ሰሚዐ' ኢላ።
ንሳ፡ ደጋጊማ ንገለ ሓለፍቲ ምክልኻል ሃገር እንተሓተት'ኳ፡ ክሳብ ሕዚ ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ ዝረኸበቶ መብርሂ ከምዘየለ ድማ ተዛሪባ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር በዓልቲ ቤት መለስ ዜናዊ፡ ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ መቐለ ንምኻድ ፍቓድ ሓቲታ ከምዝነበረት'ውን ተዛሪባ።
"ኣነ ዓደይ እንትምቸወኒ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ዓደይ ኣብ ሓዘን'ውን ኣብ ተሓጓስ'ውን፡ እንትኸፍአኒ'ውን፡ ኢትዮጵያዊት ስለዝኾነኩ ኢለ እየ ኣብዚ ተቐሚጠ። ኣይሃደምናን። ኣብዚ ብምንባርና ንኾርዕ'ምበር ንሓፍር ሰባት ኣይኮናን" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ "ህይወታ ኣብ ሓደጋ ክኸውን ስለዝኽእል ካብዚ ንላዕሊ ክዛረብ ኣይክእልን" ኢላ።
ብዛዕባ፡ ወዲ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ፡ ብርሃነ መስቀል፡ ዝረኸብናዮ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን። ብዛዕባ እቲ ማእሰርቲ፡ ዛጊድ ካብ መንግስታዊ ኣካል ዝተውሃበ ሓበሬታ ድማ የለን።
ሰምሃል ብምንታይ ምኽንያት ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ዋና ኣኽባር ፕሬስ ሴክሬታርያት ኣወል ሱልጣንን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፌደራል ፖሊስ ጄይላን ኣብዲን እኳ እንተደወልና፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ከም ዘየለ እዮም ሓቢሮምና።