ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈንጀረ ናይ ኢድ ቦምባ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢድ ቦምባ ብምፍንጃሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ልደታ፡ ዘጋጠመ ኾይኑ፡ በቲ ነትጒ ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ 5 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ቦምባ ዝተፈንጀረ ሎሚ ሰንበት ንጎሆ ሰዓት 2፡30 [8፡00] እንትኸውን፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ፡ ወረዳ 6፡ ፍሉይ ስሙ ‘ስልጤ መስጊድ’ እናተብሃለ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝርከብ፡ ንልምዓት ኣብ ዝፈረሰ ክፍቲ ቦታ እዩ።

እቲ ሓደጋ ዘብጽሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት እንትኾኑ፡ በቲ ነትጒ ናይ ሰለስተ ግዳም ሓደርቲ ሰባት ህይወት ከምዝሓለፈ እቲ መግለጺ የብርህ።

ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ድማ፡ ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዝበጽሐ እቲ ኮሚሽን ኣረጋጊጹ።

ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳይሬክተር ፡ዳይሬክቶሬት መርመራ ዝተፈላለዩን ዝተወደቡን ገበናት፡ ኮማንደር ኣለማየሁ ኣያልቄ ፡ ምስቲ ዝበጽሐ ሓደጋ ተዛሚዱ፡ ምጽራይ እናተገበረ ከምዝርከብ ገሊጹ።

እቲ ምጽራይ ምስተወደአ፡ ንሕብረተሰብ ሓበሬታ ከምዝወሃብ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት፡ ከም ብዋዛ ተደርብዮም ዝርከቡ ቦምባታትን ነትጒን ህይወት ንጹሃን ዜጋታት እናሓለፈ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ሕብረተሰብ ከምዚ ዓይነት ዘጠራጥሩ ነገራት ካብ ምትንካፍ ክቑጠብ ኣጠንቂቑ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብታ ከተማ ‘ዓድዋ ድልዲ’ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ተደርብዩ ዝጸንሐ ናይ ኢድ ቦምባ ብተመሳሳሊ ተፈንጂሩ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባት ጉድኣት ከምዘብጸሐ ይዝከር።