ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ 'ተባዕ ስጉምቲ' እያ ወሲዳ ኢሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ናይታ ሃገር ሓድነትን ምርግጋእን ንምውሓስ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ' ክብል ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ገሊጹ።

ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ነዚ ዝገለጸ ኣብ'ቲ ኣብ ጁቡቲ ዝተኻየደ መበል 38 ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ኢጋድ እዩ።

እቲ ኣቦ ወንበር ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት ክዛረብ እንከሎ፡ ፈዴራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ "ሕገ መንግስቲ ናይታ ሃገር ንምኽባር'ዩ" ብምባል፡ እዚ ኸኣ "ዝኾነት ሃገር ክትገብሮ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዋ" ኢሉ።

እቲ ኣቦ ወንበር፡ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ክዘራረቡ ጸዊዑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሙሳ ፋኪ ካልእኸ እንታይ ኢሉ?

ሙሳ ፋኪ ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው፡ ብዙሕ ሰብ ከምዝተፈናቐለ ብምግላጽ፡ ሃገራት ኢጋድ ነቶም ዝተፈናቐሉ ሰባት ፍሉይ ኣቓልቦ ብምሃብ፡ ኢትዮጵያ ኣብ እትግብሮ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ጎና ደው ክብላ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብቲ ንሓደ መዓልቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሃገራት ኢጋድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ደገፈን ገሊጸን።

ነዚ ስዒቡ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "እቲ ሕጊ ንምኽባር ኢልና ዝወስድናዮ ስጉምቲ፡ ሕጋውነቱ ተረዲኦም ኣፍልጦ ብምሃብ ከምኡ'ውን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዝወሰድክሞ ቆራጽ ስጉምቲ ኣመስግን" ብምባል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ጽሒፉ።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት፡ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ጽልዋ ከምዝፈጥር ክንገር ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ'ውን ነዚ ኣርእስቲ እዚ ከምዝተመያየጣሉ ተገሊጹ።

ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ 28 ሕዳር ምስ ተቆጻጸርዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ከምዝተወደአ ገሊጹ።

ሓይልታት ትግራይ ግን እቲ ውግኣት ይቕጽል ምህላዉ እዮም ኣብ'ቲ እዋን ገሊጾም ነይሮም። እንተኾነ፡ ካብ 04 ሕዳር ንደሓር ካብ ወገን ሓይልታት ትግራይ ዝተውሃበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ውግኣት ከምዝቐጸለ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት፡ ብኣሸሓት ዝቁጸር ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈ ክግመት እንከሎ፡ ብዘይካ እቶም ብሰንኪ እቲ ኵናት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተፈናቐሉ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት'ውን ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘዘርራቦ ቀዳማይ ሚኒሰትር ሱዳን ዓብዳላ ሓምዶክ፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፈርማጆ ምስ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ገለን ተመያይጡ'ሎ።

ዋና ቤት ጽሕፈት ሃገራት ኢጋድ ኣብ ጅቡቲ ኮይኑ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ደቡብ ሱዳን፤ ኬንያ፡ ሶማልያን ኡጋንዳን ድማ ኣባላት እዚ ዞባዊ ማሕበር እየን።