እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ኢትዮጵያ-ትግራይ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንኢትዮጵያ ክህቦ ዝሓሰበ 110 ሚልዮን ዶላር ኣቋሪጽዎ
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብዝተሓሓዝ ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲቡ ዝነበረ ናይ 90 ሚልዮን ዩሮ (110 ሚልዮን ዶላር) ባጀታዊ ደገፍ ከምዘቋረጾ ኣፍሊጡ።
ኣፈኛ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣና ፒሶነሮ-ሄርናንደዝ ንቢቢሲ ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ ሓገዝ ክወሃብ እንተኾይኑ፡ እዞም ዝስዕቡ 5 ቅደመ-ኩነታት ክማልኡ ኣለዎም ኢላ፡
- ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረዲኤት ሓገዝ ንዘድልዮም ንምድጋፍ ናብቶም ከባቢታት ክኣትዉ ምሉእ ፍቓድ ክወሃቦም
- ሲቪላውያን ሰባት ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዕቑባ ክሓቱ ክፍቀደሎም
- ብሄር መሰረት ዝገበረ ስጉምትታትን፡ ናይ ጽልኢ መግለጺታትን ደው ክብል
- ተፈጺሞም ዝበሃሉ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምክትታልን ንምምርማርን ዘኽእል ኣገባብ ክህሉ
- ከምኡ'ውን፡ መስመራት ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክኽፈትን፡ ጋዜጠኛታት ናብቲ ክልል ክኣትዉ ምሉእ ፍቓድ ክወሃቦምን ዝብሉ'ዮም።
እቲ ውሳነ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ "ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ሰብኣዊ ፕሮግራማት ይኹን ናይ ልምዓት ተግባራት ኣይትንክፍን'ዩ" ክትብል እታ ኣፈኛ ጠቒሳ።
ሰራዊት መንግስቲ፡ ካብ 4 ሕዳር ጀሚሩ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ወታሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት፡ ኣማኢት ወይ ኣሽሓት ዝቐጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ልዕሊ 50, 000 ካብቲ ክልል ዝሃደሙ ሰባት ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ኣለዉ። እቲ ግጭት ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልል'ውን ሰፊሕ ምፍንቓል የስዕብ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ።
ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን፡ ሰባዊ ረዲኤት ተሓሪምዎም ኣብ መዓስከራት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ ኣለዉ።