እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ 'ተሰማሚዑ'
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኲናት ዝካየደላ ዘሎ ክልል ትግራይ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሕ ምስ መንግሰቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰማምዐ ኣፍሊጡ።
ሚልዮናት፡ መግብን መድሓኒትን ወዲኦም ንሓደጋ ሞት ከምዝተቓልዑ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ይገልጹ ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ውድብ ሕብረት ሃገራት ፡ ሳቭያኖ ኣብሩ፡ ን'ኣሶሼትድ ፕሬስ' ከምዝተዛረቦ፡ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ዳህሳስ ክካየድ ክጅመር እዩ።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰባት ናይ መግብን መደሃኒትን ሕጽረታት ከጋጥሞ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣብቲ ክልል ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉ ኾይኖም፡ ልዕሊ 45 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ኣለዉ።
ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስተደኛታት'ውን ኣብ 4 መዓስከራት ብዘይመግብን ጸጥታዊ ውሕስነትን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከቡ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህይወቶም ስኢኖም ከምዝኾኑ'ውን ይዝረብ።
ቀዳማይ ሚነሲተር ኣብዪ ኣሕመድ ፡ 'መቐለ ተቖጻጺርና ኢና እቲ ኲናት ድማ ኣብቂዑ እዩ' እንተበለ'ኳ፡ መራሕቲ እቲ ክልል ግን ዛጊድ ነቲ ወራሪ ዝብልዎ ሓይሊ ንምምካት ይዋግኡ ከምዘለዉ እዮም ዝዛረቡ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ክልል ኩሎም መስመራት ርክብ ተዓጽዮም ስለዘለዉ፡ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ሮይተርስ ምንጭታት ውድብ ሕቡራት ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ: ምስ መንግስቲ ናይ ሓባር ጉጅለ ሎጂስቲክስ ከምዘቖመ ሮይተርስ ጠቒሱ። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባኡ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።
ኣመዓባብላ እቲ ኲናት
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ፀኒሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ መረፃ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ መረፃ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን መረፃ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም መረፃ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ መረፃ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎንፂ ኣምሪሖም። እቲ ኲናት ኣስታት ሓደ ወርሑ ኣቑጺሩ ይርከብ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላፅ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነፂጎምዎ።