ኣመሪካውያን ቢልየነራት ዝኸፍልዎ ግብሪ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻብ

ኣሜሪካውያን ቢልየነራት ውሑድ ግብሪ ከምዝኸፍሉ ዘቃልዕ ሰነድ ናብ ሓደ ማዕከን ዜና ከምዝሎሓኸ ተገሊፁ።

እዚ ሰነድ ናብ ኢዱ ዝኣተወ ማዕከን ዜና ፕሮፐብሊካ፡ ቢልየነራት ጄፍ ቤዞስ፣ ኤሎን ማስክ፣ ዋረን ባፌትን ካልኦት ሃፋትም ዓለምን መጠን ዝኸፍልዎ ግብሪ ከምዝተዓዘበ ገሊፁ።

መስራቲ ኣማዞን ጄፍ ቤዞስ ከም ኣቆፃፅራ ኣብ ዓመተ 2007 (1999) ዋላ ሓደ ቀረፅ (ግብሪ) ከምዘይኸፈለን መስራቲ ተስላ ኤሎን ማስክ ድማ ኣብ 2018 ዋላ ሓደ ቀረፅ ከምዘይኸፈለ፡ ፕሮብሊካ ገሊፁ።

ወሃቢት ቃል ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ጄን ሳኪ፡ ነቲ ልሒኹ ዝወፀ ሰነድ "ዘይሕጋዊ" ብምባል፡ ትካል ፈደራላዊ ምርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ)ን ምምሕዳር ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ነዚ ጉዳይ ከምዝምርምርዎ ገሊፃ።

ፕሮፐብሊካ: ነዚ ረኺበዮ ዝበሎ ናይ ግብሪ ሰነድ ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት ተወሳኺ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ዕላዊ ከምዝገብር ከኣ ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ቢቢሲ ንትሕዝቶ እቲ ሰነድ እንተዘይኣረጋገፀ፤ ቢልየነራት ዓለም ክንደየናይ ቀረፅ ይኸፍሉ ዝብል ክትዕ ኣብ ዝሓየለሉ ግዘ'ዩ እዚ ሰነድ ወጺ ዘሎ።

ዜጋታት ኣብ መጠን ዝኸፍልዎ ቀረፅ ዘሎ ኣፈላላይ ክብ እናበለ ምምፅኡ ኮይኑ'ሎ።

ከም ሓበሬታ ፕሮፐብሊካ፡ 25 ሃፋትም ኣሜሪካ ውሑድ ቀረፅ'ዮም ዝኸፍሉ፤ ብማእኸላይ ገምጋም ዝኸፍልዎ ግብሪ 15.8 ሚእታዊት እንትኾን: እዚ ድማ ካብቲ ስሩዕ ስራሕ ዘለዎም ኣሜሪካውያን ዝኸፍልዎ መጠን ግብሪ ዝነኣሰ እዩ።

ትልሚ ባይደን

እዞም ሰብሃፍቲ ዋላ'ኳ ኣብቶም ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት መጠን ሃፍቶም እንተዛየደ፡ ነቲ ክኸፍልዎ ዝግብኦም መጠን ክፍሊት ግብሪ ንባዓሎም ብዝጥዕሞም መገዲ ብምጥቃም፡ ውሑድ ግብሪ ይኸፍሉ ከምዘለዉ'ዩ፡ ድሕረ ገፅ ፕሮፐብሊካ ገሊፁ።

እዞም ሃፋትም፡ ስራሕቲ ግብረ ሰናይ ብምስራሕን ካብ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ገንዘብ ብምውሳድን ዝኸፍልዎ መጠን ቀረፅ ንምንካይ ከም ሜላ ከምዝጥቀምሉ እዩ ዝግለፅ።

ፕሮፐብሊካ፡ ካብ ጋዜጣ ፎርብስ ብመሰረት ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እዞም 25 ሃፋትም ኣሜሪካ፡ ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ካብ 2014 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ጠቕላላ ንዋዮም 401 ቢልየን ዶላር ይበፅሕ፤ እንተኾነ ኣብዞም ዓመታት ዝኸፈልዎ መጠን ግብሪ፡ 13.6 ቢልየን ዳላር ጥራሕ እዩ።

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃፋትም ኣሜሪካ ኣብ ዝኸፍልዎ መጠን ግብሪ ወሰኽ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ባይደን፡ መጠን ቀረፅ ብምውሳኽ ዝረኽቦ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዘይምምዕርራይ ሃብቲ ንምፅባብን፡ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ንምስፋሕን ከምዘውዕሎ ምግላፁ ይዝከር።

እንተኾነ ፀብፃብ ፕሮፐብሊካ፡ ምምሕዳር ፕረዝደንት ባይደን ኣብ ውሑዳት ሃፋትም ኣሜሪካ'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ'ቶም 25 ኣዝዮም ሃፋትም ኣሜሪካውያን ክንድቲ ክፍሊት ቀረፅ ከምዘይውስኽ እዩ ዝሕብር።

በቲ ድሕረ ገፅ ካብ ሞንጎ ዝተጠቕሱ ሃፋትም ብስራሕቲ ግብረ ሰናይ ዝፍለጥ ጆርጅ ሶሮስ'ዩ። ውሑድ ቀረፅ ከምዝኸፍል ብቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ናይ ሶሮስ ቢሮ፡ ምላሽ ኣይሃበን።

እንተኾነ ኣብዚ ጉዳይ መግለፂ ብምውፃእ፡ ሶሮስ ንሒደት ዓመታት ቀረፅ ዘይኸፈለ ኣብ ኢንቨስትመንት ክሳራ ስለዘጋጠሞ'ዩ ኢሉ።

"ዘይሕጋዊ"

ከንቲባ ኒውዮርክ ነበር ማይክል ብሉምበርግ'ውን፡ ኣብቲ ሰነድ ስሙ ተፀሪሑ እዩ።

እዚ ሰነድ ወግዓዊ ምዃኑ ሚስጥራውነት ውልቀ መረዳእታ ከምዝጥሕስን ነዚ ሰነድ ዕላዊ ንዝገበረ ኣካል "ብሕጊ ክሓትት'የ" ኢሉ ኣሎ።

መርበብ ሓበሬታ ናይ ምርመራ ፀብፃብ ዝኾነ ፕሮፐብሊካ፡ ቅድሚ ሕዚ'ውን ምንካይ በጀት ምምሕዳር ግብሪ፡ ብኸመይ ነቲ ትካል ከምዝሃሰዮ ፀብፂቡ ኔሩ።

እቲ ምምሕዳር፡ ሃፋትም ግቡእ ቀረፅ ክኸፍሉ ዘይገበረ ብድሩትነት ዓቕሚ ምዃኑ'ዩ ዝገልፅ።

ፕሮፐብሊካ፡ ነዞም ፀብፃባት ድሕሪ ምስርሑ'ዩ፡ ነቲ ዝርዝር ኣታዊ ግብሪ ዝሓዘ ሰነድ ረኺቡ፡ ኣብ ድሕረ ገፁ ከኣ ዕላዊ ጌርዎ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ፡ "ፍቓድ እንከይተውሃበ ወግዓዊ ዝኸውን ሚስጥራዊ ሓበሬታ መንግስቲ፡ ዘይሕጋዊ'ዩ" ኢላ።

ወሃቢት ቃል ክፍሊ ቁፅፅር ገንዘብ ሊሊ ኣዳምስ ብወገና፡ "እዚ ጉዳይ ናብ ኤፍቢኣይ፣ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራልን ክፍሊ ቁፅፅር ገንዘብን ተላኢኹ ኣሎ" ክትብለ ንሮይተርስ ብኢመይል ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ገሊጻ።

ኮምሽነር ውሽጣዊ ኣታዊ ኣሜሪካ ቻርለስ ረቲንግ ድማ፡ "ናይ ነፍሲወከፍ ከፋሊ ግብሪ ሓበሬታ ክህብ ኣይኽእልን። እንተኾነ፡ እቲ ሰነድ ካብ ውሽጣዊ ኣታዊ እታ ሃገር ሸሊኹ ከምዝወፅአ ንምርግጋጽ ምርመራ ይካየድ ኣሎ" ዝብል ምላሽ ሂቡ።