ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝግበር ቃልሲ ስለምንታይ'ዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሳሕል ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ኣፍሪቃ ዝርኣይ ዘሎ ምትእትታው ሽብርተኛታት ንምዕጋት ኩለ መዳያዊ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።
400 ወተሃደራት ብሪጣንያ ተዋፊሮምላ ዘለው ማሊ፡ ኣብ ውሽጢ ትሸዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ ዞባዊ መራሕቲ ዝኾነኑዎ ዕልዋ መንግስቲ ክልተ ሳዕ ተኻይዱ።
ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ዘለው ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ወተሃደራታ ከም እተውጽእ ክተጠንቅቕ እንከላ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስታ ሃገር ዝነበራ ወተሃደራዊ ጥምረት ደው ኣቢላ ትርከብ።
ብተወሳኺ ስፔን ምስ ሞሮኮ ብዝኣተወቶ ምስሕሓብ ብኣመሪካ ካብ ዝምራሕ ናይ ብዙሓት ሃገራት ጥምረት ወጺኣ።
እዚ ንምዕራብ ኣፍሪቃን ነቲ ዞባን ዝጸሉ ኮይኑ፡ ካልኦት ሃገራት ንዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕሪ'ውን ምትንካፉ ኣይተርፍን።
እዚ ሳሕል ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ኣፍሪቃ ብዙሓት ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዝመሓላለፍሉ መገዲ'ዩ።
ብተወሳኺ ቐንዲ መተሓላለፊ መስመር ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ፣ ኣጽዋራትን ጅሃዳውያን ዕጡቓትን'ውን እዩ፥
ኣልቃዒዳ ዝርከቦም እስላማዊ ጉጅለ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ተደፊኦም ምስ ወጽኡ ኣፍሪቃ ማእከል ሓድሽ ሰፈርኦም ክገብሩዋ ስትራቴጂካዊ ውሳነ ገይሮም ኣለው።
ኣብ ከም ማሊ ዝኣመሰላ ሃገራት ሳሕል ናዕብን ቅልውላውን ከምኡ'ውን ስግኣት ድሕነት እንተነጊሱ ክልተ ነገራት ክፍጠሩ ይኽእሉ።
ሓደ፡ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ መላእ ዓለም መጥቃዕቲ ክፍጽምሉ ዝኽእሉ ሓድሽ ጂኦግራፊያዊ መዓስከር ክፍጠር ይኽእል።
ካልኣይ ድማ ብምኽንያት ኣብ ሃገሮም ዘሎ ዘይምርግጋእ: ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ናብ ኤውሮጳ ክጉዓዙ ክጅምሩ'ዮም።
ስለዚ ኣብዚ እዋን፡ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ናብቲ ከባቢ ከይኣትውን ኣገደስቲ ቦታታት ከይሕዙን ጽዑቕ ምክልኻል ክግበርን ኣብ ዘለውዎ ክዕገቱን ክኽእሉ ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሳሕል፡ ጸገማት ድርቂ፣ ብልሽውና፣ ድኽነት፣ ሰእነት ስራሕን ዓሌታዊ ምክፍፋላትን ጎሊሖም ዝርኣዩ ኮይኖም፡ ካብዚ ንላዕሊ'ውን ክኸዱ ከም ዝኽእሉ ይስጋእ።
ኣብ ሄግ ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማእከል ቓልሲ ግብረሽበራ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ዝኾነት ጁሊ ኮልማን ብዙሓት መናእሰይ ማሊ ናብቶም ኣኽረርቲ ጉጅለታት ንክጽምበሩ ምኽንያት ዝኾኖም ጸገማት ካብ ስሮም ክርኣዩ ብዘይምኽኣሎም እቲ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ውጽኢታዊ ክኸውን ኣይክኣለን ትብል።
"ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ማሊ ካብ ዝኣቱ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ጀሚሩ፡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ'ዩ መጺኡ። ቑጽሪ ናብቶም ዕጡቓት ጉጅለታት ዝጽምበሩ መናእሰይ ማሊ ወሲኹ፤ እቲ ዝፍጸም መጥቃዕታት'ውን ብኡ ልክዕ ወሲኹ" ትብል።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ሓይልታት ጸጥታ "ግፍዓዊ ቅትለትን ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርትን" ዝርከቡዎም "ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት" ይፍጽሙ'ዮም ትብል።
ኣብ ክሊ እዚ እቲ ካብ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝመጽእ ስግኣት ምዕጋትን ምቁጽጻርን ዝብል ንርእሱ ተወሰኽቲ ማሕለኻታት ከም ዘለውዎ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ካብ ሞሪታኒያ፣ ማሊ፣ ኒጀር፣ ክሳዕ ጫድን ቡርኪናፋሶን ዝዝርጋሕ ከባቢ ሳሕል፡ ኣስታት ሰለስተ ሚሊየን ትርብዒት ኪሎ ሜትር መሬት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ናብ ናይጀሪያ ልሒኾም ዝኣተው መጥቃዕታት ጅሃዳውያን ካብዚ ዝብገሱ'ዮም።
እዚ ከባቢ፡ ጽዑቕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎ፣ ኣዝዩ ዝጠፈሸ/ ዝደኸየ፣ ብኣግባቡ ዘይተመሓደረ፣ ዶባቱ ዘይሕጋዊ እጻት፣ ስደተኛታትን ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ንምዝውዋር ዝውዕል ዘሎን'ዩ።
ነዚ ኹሉ፡ ሓንቲ ሃገር ንበይና ክትቃለሶ ኣይትኽእልን።
ፈረንሳ ኣብ 2013 ዕጡቓት ኣልቃዒዳ ናብ ርእሰ ከተማ ማሊካ ባማኮ ከይኣትው ንምክልኻል ኣቐዲማ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ዘርኣየት ሃገር ኮይና፡ ዝተዋደደ ምትሕግጋዝ ከም ዘድሊ ግን ይእመን።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ክልተ ወተሃደራዊ ልኡኻት ኣለው።
እቲ ሓደ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ፡ ካብ 56 ሃገራት ዝተወጻጽኡ ልዕሊ 14 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቐፈ'ዩ።
ኣብዚ ገሊኦም ሓደሽቲ ኮይኖም ኣብ ጎኒ ሓይልታት ማሊ ተሰሊፎም ክሳብ በረኻታትን ርሑቕ ቦታታትን ብምኻድ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።
እቲ ካልእ፡ ፈረንሳ እትመርሖ ልኡኽ ቃልሲ ኣንጻር ግብረ ሽበራ እዩ። እዚ መጥቃዕታት ድሮንን ነፈርትን ዝሓውስ ብትካል ስለያ ኣመሪካ ዝሕገዝ እዩ።
እቲ ናይ ስለያ መሓውር ኣብ መላእ ዶባት እቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምጽናዕ ትኹረት ይገብር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ይኹን'ምበር ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ተሞክሮ ዓብዪ ትምህርቲ'ዩ።
ብዝግባእ ዝዓጠቑ ወተሃደራት ምውፋርን ምትእትታው ምዕራባውያን ሃገራትን ክህሉ ይኽእል'ዩ። እቲ ኣንጻር ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ዕጡቓትን ዝግበር ቃልሲ ንክዕወት ግን ክልተ ወሰንቲ ነገራት ክፍጸሙ ኣለዎም። ንሳቶም ድማ ሓያል ከባብያዊ ሓይልን ህዝባዊ ደገፍን'ዮም።
ኣብ ማሊ ንኣብነት፡ እዚ ክልቲኡ ጸገም ኣሎ። ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ እምነት ዘለዎ ህዝቢ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዙሓት ፖለቲከኛታት ናይ ፈረንሳን ካልኦት ሓይልታት ወጻእን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ሓቲቶም ነይሮም።
ይኹን'ምበር ካብ 2013 ጀሚሩ ብዙሓት ወተሃደራት ፈረንሳ መስዋእቲ ከፊሎም'ዮም።
ኣብ ማሊ ንኻልኣይ ግዜ ድሕሪ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ: ፕሬዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን "ፈረንሳ ኣብ ጎኒ ዴሞክራሲያዊ ሕጋውነት ዘይብላ ሃገር ኣይትስለፍን" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።
ኣመሪካ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ዞባ ሳሕል ይደላደሉ ምህላዎም ካብ እትፈልጥ ነዊሕ እንተኾና'ውን፡ ኣብ ሞንጎ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ግን ነተን ኣንጻር ግብረ ራዕዲ ዝቃለሳ ሓይልታት ከቢድ ፈተና ይኾነን ኣሎ።
ኣብ ቀረባ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ሞሮኮ: ብ1975 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝተቖጻጸረቶ መሬት ሳሕል ትሕዝቶኣ እዩ ኢሉ ኣጽዲቑላ ምንባሩ ይዝከር።
ስፔን ነዚ ክትቃወሞ እንከላ፡ ህዝብታት ሰሃራ ዓርሰ ውሳነ ክገብሩ መሰል ኣለዎም ኢላ።
ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ድማ ስፔን መራሒ ጉጅለ ተቓውሞ ሳሃራዊ ዝኾነ ፖሊሳሪዮ ኣብ ሆስፒታል ስፔን ሕክምና ኮሮናቫይረስ ክግበረሉ ኣፍቂዳ።
ነዚ ግብረ መልሲ ዝሃበት ሞሮኮ፡ 10 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ስፔን ክኣትው ኣፍቂዳ።
ካብዚ ብዝተላዕለ ሕጂ ስፔን ካብቲ ብምትሕብባር ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ምዕራብ ሰሃራ ዝተዋፈረ ካብ ትሸዓተ ሃገራት ዝተወጻጽአ ሸውዓተ ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ዝዓበየ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ወጺኣ ኣላ።
ዕልዋ መንግስቲ፣ ብልሽውናን ዘይምውህሃድን እቲ ዞባ ነቶም ግብረ ሽበራውያን ዓበይቲ ዕድላት ይፈጥሩ ምህላዎም እዩ ዝእመን።
እዚኦም ክፍትሑ ብዘይምኽኣሎም እቶም ዕጡቓት ዳግም ንክውደቡ፣ ንክዕጠቑን ውዲት መጥቃዕታቶም ክፍጽሙን ዕድል ይህቡዎም ኣለው።
ኣብ ሳሕል ዘሎ ኩነታት ሓደገኛ'ዩ፤ ግን ድማ ኣብቲ ዞባ ተዋፊረን ዘለዋ ሃገራት ትጽቢት ዝግበረን ዕማም ኣሎ።
ይኹን'ምበር እቲ ዝግበር ወተሃደራዊ ሓገዛት ህዝቢ ዝሓሸ ምምሕዳር ንክፈጥር ዝሕግዝ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ጻዕሪ ማይ ምዕማኹ ኣይተርፍን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







