ፖለቲካ፡ ኣቶ ጃዋርን ብጾቱን ደጊሞም ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከም ዘይደልዩ ኣፍሊጦም

አቶ ጃዋር መሐመድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ዝኾኑ ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ተኸሰስቲ ጉዳያቶም ንምክትታል ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቐርቡ ብሮቡዕ ኣፍሊጦም።

እቶም ተኸስስቲ ጥርዓኖም ሓሙሽተ ገጽ ብዘለዎ ደብዳበ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል መጋብኣያ ልደታ ከም ዘቕረቡ ቢቢሲ ንሓደ ካብ ጠበቓታቶም ዝኾነ ኣቶ ከድር ቡሎ ብምሕታት ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ብሮቡዕ ዝወዓለ መጋባእያ፡ እቶም ክሱሳት ዋና ዘልዓሉዎ፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይኽበረሉን እቲ ሕጊ ዘፈጽም ኣካል ብተደጋጋሚ ጥሕሰት ኣብ ዝፍጽመሉን ኩነታት፡ ናታቶም ናብ መጋባእያ ምምጻእ ትርጉም ከም ዘይብሉ ምግላጾም ኣቶ ከድር ሓቢሩ።

እቲ ቤት ፍርዲ ነጻ እንተሰደዶም'ውን እቲ ፈጻሚ ሕጊ "ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ከም ዘይሰደናን ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይክበረሉን ኩነታት እቲ መጋባእያ መላገጺ ክኸውን የብሉን" ኢሉ።

ነዚ'ውን ብዙሕ ኣብነታት ከም ዘቕረቡ ዝነግር ኣቶ ከድር፡ ካብ መንጎኦም ቤት ፍርዲ ነጻ ዝሰደዶም በዓል ኮሎኔል ገመቹ ኣያናን ካልኦት ውልቀሰባትን ንምፍታሕ ፖሊስ ፍቓደኛ ኣይኮነን፤ ኣበይ ከም ዘለው'ውን ኣይፍለጥን ኢሉ።

ኣባላት ኣፈጻሚ ስራሕ ዝነበሩ መራሕቲ ኦነግን ፕሮፌሰራት ዩኒቨርስቲ ጂማ'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ነጻ እኳ እንተሰደዶም፡ ምስ ስድራ ቤቶም ኮነ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ከም ዘይኸኣሉ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኦም።

"እዚ ምዝባዕ ፍትሒ ከም ዘሎ እዩ ዘርእይ። እቲ ሕጊ ዘፈጽም ኣካል፡ ሕጊ ከም ዘየኽብር እዩ ዘርእይ" ምባሎም ኣቶ ከድር ገሊጹ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቶ ከድር፡ ኪንዮ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ዘይምኽባር ውልቀ ሰባት ብዘይ ፍርዲ "ኣብ ዝቕተልሉ ኩነታት" ዝብል'ውን ከም ምኽንያት ምጥቃሶም ሓቢሩ።

እቶም ተኸሰስቲ ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ዝጀመርዎ ብናይ ሕልና ጸሎት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከተማ ደምቢዶሎ "ኣብ ኣደባባይ ኣብ ቅድሚ ስድራቤቱ" ዝተቐትለ ኣማኑኤል ወንድሙ ከምኡ'ውን ኣብ ኲናት ትግራይ ንዝበጽሕ ዘሎ መቕተልትን ግህሰት መሰላትን በዓል ጃዋር ንሓደ ደቒቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ጌሮም።

ኣብ ትግራይ ምስ ዘሎ ምግሃስ መሰላት ብዝተኣሳሰር ህዝቢ ትግራይ ጾም (ምሕሳም መግቢ) ይገብር ምህላው ብምጥቃስ ንሳቶም'ውን ኣካል እቲ ህዝቢ ብምዃኖምን ስለ ዝምልከቶምን፡ ንሰለስተ መዓልትታት ምስ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝጾሙ ምዝራቦም ኣቶ ከድር ነጊሩ።

ብኣዋጅ ጸረ ሽብር ዝተኸሰሱ ኣባላት መሪሕነት ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾኑ በዓል ጃዋር መሓመድ፡ መካይን ጠበቓታቶም ከም ዝተሰባበሩን ኣካላዊ ማህረምቲ ከም ዝበጽሖምን ብምግላጽ ጠበቓታቶም ንምንክልባት ይዳረጉ ምህላዎም ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኦም ይብል ኣቶ ከድር።

ቅድሚ ሕጂ፡ 12 ግንቦት 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ናይ ቤት ፍርዲ ቆጸራኦም ድሕሪ ክልተ ዓመት ክኸውን ሕቶ ኣቕሪቦም ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ፌደራል ምዱብ መጋባእያ ፌደራል ውድቂ ከም ዝገበሮ ዝዝከር እዩ።

ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብቲ ረቡዕ ዝወዓለ መጋባእያ'ውን ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ጥርዓን ደብዳበ፡ ድሕሪ ሃገራዊ ምርጫን ሃገር ምስ ተረጋግዐን ናብቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝመጽኡ ነቲ መጋባእያ ኣረዲኦም።