ብኸመይ ኢና ካብ ሓዘንና ክንጸናናዕ እንኽእል - ብስምረት ኣርኣያ

ምንጪ ስእሊ, Simret Araya
ኣብ ቁልዕነታ ሞት ኣዝማድን መቕርብን፣ ኣብ ንእስነታ ወለዳ (ኣቡኣን ኣዲኣን)፣ ኣብ ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ መተዓብይታን መማህርታን፣ ኣብ ስደት ከኣ በዓል ቤታን ኣቦ ደቃን ብሞት ተፈልዮማ ተደራራቢ ሓዘን ኣጋጢሙዋ።
ተቐማጢት ካናዳ ኤርትራዊት ስምረት ኣርኣያ፡ ነብሳ ንምጽንናዕን ሓዘና ንምፍዃስን ንዝጸሓፈቶ ዘንበቡ ፈተውትን ኣዕሩኽን ንብዙሕ ብጓሂ ዝተጎድአ ሰብ ንክሕግዝ ብመልክዕ መጽሓፍ ንከተቕርቦ ብዝገበሩላ ምሕጽንታ "ቢዮንድ ዘ ግሪፍ" - ድሕሪ ሓዘን ዘሎ ነገር ብዝብል ኣርእስቲ ብብቋንቋ ኢንግሊዝ ዘዳለወታ መጽሓፍ ድሮ ኣብ ኢድ ብዙሓት በጺሓ ኣላ።
"ብሞት ፍቱዋትካ፣ ኣቦኻ ኣዴኻ፣ ሓውኻ ሓፍትኻ፣ ሰብኣይካ ሰበይትኻ፣ ውሉድካ፡ (ጓልካ ወድኻ) ዝስዕብ ሓዘን መሪር'ዩ። ብፍላይ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ምስ ዝቑጸዩ ሓዘን ክዶቕሰካን ክርምሰካን ይኽእል እዩ። ስለዝፈተንኩዎ ሃስዩኡ ይፈልጦ እየ፤ ስለዝኾነ ከኣ እየ ነዛ ብተመኩሮይን ኣንቢበን ንፈላጣት ኣዘራሪበን ብዘዋህለልኩዎ ፍልጠት ዝጸሓፍኩዋ መጽሓፍ ናብ ከምዚ ኸማይ ሓዘን ዝተደራረቦም አሕዋትን ኣሓትን ንመጸናንዒ ኣቕሪበያ" ትብል።
ስምረት ኣብቲ ብዘበነ ዕግርግር ዝፍለጥ፡ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ሰፊኑሉ ዝነበረሉ እዋን ብ1975 ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዓብያ።
ወላዲኣ ህርኩት ነጋዳይ ነይሮም። ወላዲታ ከኣ ንደቀንን ሓዳረንን ብፍቕሪ ዝናብያን ዝኹስኩሳን ወረጃ ኣደ ነበራ።
ኣቶ ኣርኣያ ደቂ ዝፈትውዋ ሓፍቶም ኣብ ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ተሰሊፎም፡ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ኣሕዋት ይዋግኡ ብምንባሮም ኣዝዮም ይሓዝኑ ነይሮም።
ስለ ዝኾነ እዮም እምበኣር ነታ ሽዑ ዝተወልደት ጓሎም፡ ጽቡቕ ፋል ዕርቂ ክትኮነሎም ብምምናይ " ስምረት!" ክብሉ ሰምዮምዋ።
ስምረት ገና ቖልዓ እንከላ፡ ካብ ጀራዲኑ ሸዊት ሒዙ ዝመጽኦም ዝነበረ ሓው ኣቦኣ ብስርዓት ደርግ ተረሺኑ ስድርኣ ምስ ተነግሩን ኣምሪሮም ክሓዝኑ እንከለዉን ከቢድ ጓሂ ከም ዝተሰመዓ ትገልጽ።
"ሕብረተሰብና ሓዘን ንዘጋጠሞም ዓበይቲ እዩ ዘጸናንዕ እምበር፡ ካብ ዘይምፍላጥ ንቖልዑ ብዙሕ ግዲ ኣይገብረሎምን እዩ። እቶም ቖልዑ ከኣ ግቡእ ምጽንናዕ ስለ ዘይግበረሎም ኣዝዮም እዮም ዝጉድኡ" ትብል።
እቲ ኣብ ቁልዕነታ ብሞት ሓወቦኣ ዝተሰመዓን ምስኣ ንነዊሕ ዝጸንሐ ጓሂ ምዃኑ ትዛረብ።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ስምረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ቀዳማይ ዲግሪ ምስ ወደአት፡ ንማስተርስ ( ካልኣይ ዲግሪ) ትምህርቲ ንኖርወይ መጺኣ።
ኣብ ሊድስ ዓባይ ብሪጣንያ ንሓደ ዓመት ሰሪሓ ከኣ ናብ ካናዳ መጺአ ሓዳር መስሪታ ቖልዑ ወሊዳ ክትነብር ጀሚራ።
እንተኾነ ብሰንኪ ድጉል ጸገማት ወልፊ በዓል ቤታ እቲ ዝበሃገቶ ሓዳር ከምቲ ዝደለየቶ ኣይኮነላን።
በዓል ቤታ ጻዕራም ሰራሕተኛ፡ ደቁን በዓልቲ ቤቱን ዘፍቅር፡ ስድርኡን መቕርቡን ዘኽብር፡ ሕያዋይ ተሓጋጋዚ ሰብ እኳ እንተነበረ፡ ጸጸኒሑ ብዝደግስ ወልፊ ይሽገር ስለ ዝነበረ፡ ንሓልዮት ቖልዑ ብምሕሳብ ንግዝይኡ ተፈላልዮም።
ይኹን እምበር ኣብ መንጎኦም ቖልዑ ስለ ዘለው ኣብ ቤታን ቤት ጸሎትን ብቐጻሊ ከምዝራኸቡን ክደጋገፉን ጸኒሖም።
ኣብታ ስምረት ብትምህርትን ፍልጠትን ንበዓል ቤታ ብዝበለጸ ክትሕግዞ ዓቕሚ ዝደለበትሉን ዝተዳለወትሉን እዋን ግን ወልፊ ብዘበገሶ ሳዕቤን ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን መንፍቕን ከም ዝዓረፈ ኣብ መጽሓፋ ገሊጻቶ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Simret araya
ሞት በዓል ቤታን ኣቦ ደቃን ነቲ ኣብ ቑልዕነታን ንእስነታን በሰላ ዝገደፈላ ሓዘን ብኸቢድ ከም ዝጎድኦ ግን ከኣ ብሓይልን ጽላልን ፈጣርን ብጽዑቕ ምንባብን ምጽሓፍን ክትጸናናዕ ከም ዝኸኣለት ትሕብር ስምረት።
እቲ ነብሳ ንምጽንናዕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እተቕርቦ ዝነበረት ጽሑፋት ብዙሓት ሰባት ክግደስሉን ክጥቀሙሉን ምስ ጀመሩን፡ ዓሚ ግንቦት ዓለምና ብኮቪድ -19 ምስ ተናወጸት፡ ማዕለከናት ዜና ዓለም ከም መዓልታዊ ሞትን ህልቂትን ኣሽሓት ሰባት ክነግራ ምስ ጀመራ ስምረት ውሽጣ ተተንኪፉ።
እቲ ኣብ ቴሌቪዥን እትርእዮ ዝነበረት ዝወርድን ዝድይብን ቑጽሪ መልከፍትን መቕዘፍትን ኮቪድ፡ ነቲ ጽሑፋታ ብመልክዕ መጽሓፍ ንምድላው ኣብ ውሽጣ ዝጸንሐ ድጉል ሓሳብ ኣለዓዒሉዎ።
" እቲ ዝንገረና ዝነበረ ኣሃዛት ቁጽሪ ጥራሕ ኣይኮነን። ብሞት ነብሲ ወከፍ ብቑጽሪ ዝውከል መዋቲ ኣኣብ ቤቶም ኮይኖም ዝሓዝኑ፡ ዝቕንዘው፡ ዝነብዑ ዝጉህዩ፡ ኣቦ ኣደ፡ ሓው ሓፍቲ፡ ኣፍቃሪ ኣፍቃሪት፡ ዕሸላት ውሉዳት፡ ዓርከ መሓዛ ኣሕዋት መተዓብይቲ ስለዘለው፡ ንዓኦም በዛ ናይ ምጽንናዕ መጽሓፈይ ክበጽሖምን 'ኣጆኹም ንበይንኹም ኣይኮንኩምን፡ ብስቓይኩም እንጕሂ አሕዋት ኣሎና' ንምባል ዓቲበ ክሰርሕ ደፋፊኡኒ" ትብል እታ ብቃንዛ ተመኩሮኣ ሩፍታ ሕዙናት አሕዋት ክትርኢ እትብህግ ስምረት።
ደቂ ሰባት ኣብዛ ግዝያዊት ዓለም፡ ብከም ፍትሕን ምፍልላይን፡ ስእነት ጥዕና - ሕዱር ሕማም፡ ስእነት ስራሕን ኣታውን፡ ቁጠባዊ ድቀት፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ክኾነለይ ካብ ዝበልካዮ ዕድላት ምኹላፍ ዝኣመሰለ ነገራት እውን ይሓዝኑን ይጉድኡን እዮም።
ከም ስምረት ዝኣመሰሉ ብተደራረቢ ሓዘን ዝተጎድኡን ኣብዚ ዓውዲ'ዚ ብዙሕ ምርምርን መጽናዕትን ዘካየዱ "ዘይትዛረበሉን ኣብ ውሽጥኻ እትሕዞን ጓሂ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ" ዝብሉ ሊቃውንቲ፡ ሰባት ምስ ዝኣምነዎ ቀረብኦም ብዛዕባ ሓዘኖም ክዛረቡን ወይ ከኣ ቃንዘኦም ኣብ ወረቐት ብምፍሓፍ ክጸናንዑን ከም ዘለዎም እዮም ዝመኽሩ።
ሰባት ብዘጋጥሞም ሓዘን ክሓርቁን ክስምብዱን፡ ክገብሮ ነይሩኒ ብዝብሉዎ ጉዳይ ተጸጺቶም ኣብ ዓሚቝ ጓሂ ክጥሕሉ ስለዝኽእሉ፡ ኣጆኹም ዝብሎም፡ ዘጸናንዖም፡ ሓይልን ሞራልን ዝኾኖም ሰብ ከም ዘድልዮም እትሕብር ስምረት ሰኣን ግቡእ ክንክንን ቆላሕታን ኣብ ከበዶም ከቢድ ጓሂ ኣትዩዎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝወድቁ ሰባት ከምዘለው ተረድእ።
"ኣብ ህይወት ንሓዘን ከም ምግጣምን ምብዳህን ዝኸብድ የሎን። ኣብ ዓድና ብርግጽ ማሕበረ ኮምካ ዳስ ተኺሉ የጸናንዓካ እዩ። ኣብ ስደት ግን ንበይንኻ ኢኻ ትሓዝን፡ እሞ ኸኣ ኣብዚ ናይ ኮቪድ ተዓጾ-ተዓጾ እዋን ፍቱዋቱ ዝሰኣነ ሰብ ብኸቢድ እዩ ዝህሰ" ትብል ስምረት።
እታ ካብ ግብራዊ ተመኩሮኣን ዘዋህለለቶ ፍልጠትን ንህዝቢ ይጠቅም እዩ ብማለት ኣሕቲማ ዝዘርግሓታ ቢዮንድ ግሪፍ (ድሕሪ ሓዘን) ዘርእስታ መጽሓፋ ኣብ ቀረባ እዋን ብትግርኛ ተተርጒና ናብ ህዝቢ ከም እትበጽሕ ትሕብር።
ሓያሎ ምሁራት ነታ መጽሓፍ ብምንባብ ምስክርነቶም ኣቕሪቦም ኣለው።
ዶክር ገብሩ ወልዱ ንኣብነት "መሃሪትን መኻሪትን ግብራዊት መጽሓፍ" ክብል ኣድናቖቱ ኣስፊሩ ኣሎ።
ጆዲይ ኣልሞንድ እውን ኣተባባዒት፤ ነቶም ብሓዘን ዝተጎድኡ እተጸናንዕ ሓባሪት መርሓ እያ ክብል ምስክርነቱ ሂቡ ኣሎ።
ነርስ ሰርቃዲስ ኣጥናፉ ታደሰ ብወገና፡ ነታ መጽሓፍ ከተንብባ ምስ ጀመርካ ከተቋርጻ ዘይትኽእል፤ ጸሓፊታ ብሓዘን ንዘሕለፈቶ ጸልማት እዋን ብሓይሊ ፈጣሪ ብኸመይ ከም ዝሰገረቶ እተርኢ መጽሓፍ ብምዃና ንዓይ እውን ብሞት ወላዲተይ ንዘጋጠመኒ ሓዘን ንክጸናናዕ ሓጊዛትኒ እያ ትብል።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







