'ኩናትን ሰላምን' ዘርእስታ መጽሓፍ ሊዮ ቶልስቶይ ንሓደ ህንዳዊ ንጸገም ኣቃሊዓቶ

መጻሕፍቲ ሊዮ ቶልስቶይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ፍርዲ፡ ንሓደ ህንዳዊ ተጣባቒ (ኣክቲቪስት) "ብዛዕባ ኣብ ካልእ ሃገር ዝነበረ ኩናት" ዝገልጽ መጽሓፍ ንምንታይ ኣብ ገዝኡ ከምዘቐመጠ መብርሂ ክህብ ድሕሪ ምሕታቱ፡ እታ 'ኩናትን ሰላምን' ዘርእስታ መጽሓፍ ሊዮ ቶልስቶይ ኣዘራረራቢት ኮይና ኣላ።

እቲ ቬርኖን ጎንሳሌቭስ ዝበሃል ተጣባቒ፡ ኣብ ህንዲ ከተማ ሙምባይ ብሮቡዕ መዓልቲ እዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።

ንሱ፡ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት፡ ጎንጺ ብምልዕዓል ተኸሲሱ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝተኣሰረ እዩ።

እቲ ዳኛ "ብዛዕባ ኣብ ካልእ ሃገር ዝነበረ ኩናት" ዘዘንቱ መጽሓፍ ንምንታይ ከምዝሓዘ ምስሓተቶ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቁጠዐኦም ገሊጾም።

ቬርኖን ጎንሳሌቭስን መሓዙቱን ክእሰሩ እንከለዉ፡ ገዝኦም ተፈቲሹ መጻሕፍቲ፣ ሰነዳትን ሲዲታትን ዝተትሓዙ ክኸውን ከሎ፤ ኣኽባሪ ሕጊ "መረዳእታታት ገበን" ከምዝረኸበ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ እዩ።

ካብኣቶም ድማ "ናይ ተቓውሞ" ኣርእስትታት ዘለዎም መጻሕፍትን ሲዲታትን ከምዝርከብዎም ገሊጹ እዩ።

"ንምንታይ ኢኻ ነዞም መጻሕፍትን ሲዲታትን ኣብ ገዛኻ ኣቐሚጥካዮም? ብዛዕባ እዚ ንቤት ፍርዲ መብርሂ ክትህብ ኣለካ" ክብል እቲ ዳኛ ሓቲትዎ።

ድሕሪ'ዚ እዩ ሰባት ነቲ 'ኩናትን ሰላምን' (ዋር ኤንድ ፒስ) ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ መጽሓፍ ሊዮ ቶልስቶይ ከም ሃሽታግ እናተጠቐሙ ኣብ ትዊተር ክጽሕፉ ዝጀመሩ።