ስፔን፡ ብሰንኪ ግጉይ መድሓኒት ህጻናት ከም 'ተኹላ' ኣብ ገጾም ጸጉሪ ከብቊሉ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ኣብ ስፔን፡ ብዙሓት ህጻናት ብሰንኪ ዝተውሃቦም ግጉይ መድሓኒት፡ ዘይከምልሙድ ኣብ ገጾም ጸጉሪ ከምዘብቆሉ ሰብመዚ ናይታ ሃገር ተዛሪቦም።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስፔን፡ 17 ህጻናት በዚ ግጉይ መድሓኒት ከምዝተሃሰዩ ሓበሬታ ቀሪቡ'ሎ።
እዚ መድሃኒት፡ ሕማም ከብዲ ንምፍዋስ ነቶም ህጻናት ዝተውሃበ እዩ። እቲ ፈውሲ ሕማም ከብዲ ተባሂሉ ዝተውሃቦም መድሓኒት፡ ምብራሕ (ምርጋፍ ጸጉሪ) ንምሕካም ዝውዕል ባእታ ዝሓዘ እዩ።
"ውላደይ፡ ግምባሩ፣ ምዕጉርቱ፣ ኢዱን እግሩን ብጸጉሪ ክሽፈን ጀሚሩ... ኣዝዩ ዘፍርሕ እዩ" ኢላ ሓንቲ ኣደ።
እቲ ዝተውሃቦም መድሓኒት፡ ሚኖክሲዲል ዝበሃል ባእታ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ዕብየት ጸጉሪ ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ተቖጻጸርቲ ገሊጾም።
ሃስያ ናይዚ መድሓኒት ብዝምልከት፡ ፈላማይ ሓበሬታ ዝቐረበ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኾይኑ፡ ድሕሪ'ዚ እቲ መድሓኒት ኣብ ዕዳጋ የለን።
እቲ ንምርጋፍ ጸጉሪ ዘገልግል መድሓኒት፡ ብጌጋ ካልእ መፍለዪ ምልክት ስለዝተጠቀዐሉን ምስቲ ናይ ከብዲ መድሓኒት ስለዝተሓወሰን፡ እዚ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኸኣለ ሚኒስትሪ ጥዕና ስፔን ገሊጹ።
እቶም ህጻናት ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ክሓውዩ ምዃኖምን፡ እቲ ዝቦቐለ ዘየድሊ ጸጉሪ ክረግፍ ምዃኑን ንወለዲ እቶም ህጻናት ተነጊርዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







