ገምጋም መጽሓፍ - ዝናን ባህታን፡ ናጽነትን ስቕታን

ብደራሲ ዳኒኤል ተስፋዮውሃንስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዝናን ባህታን ናጽነትን ስቕታን፡ ኣስታት 393 ገጻትን 15 ምዕራፋትን ኣለዋ።
ሕጊ ህየሳ፡ መጽሓፍ ናይ እትፈትዎ ወይ ናይ እትጸልኦ ሰብ ኣይትህሰ'ዩ ዝብል።
ጸሓፊ እዚ ገምጋም መጽሓፍ ዝናን ባህታን ናጽነትን ስቕታን ሳሙኤል፡ ንደራሲ ዳኒኤል እፈልጦ እየ።
ኣብዚ መጽሓፍ ተሓቲሙ ካብ ዘሎ ሓያሎ ዓንቀጻት እውን ንገሊኡ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መርበባት ሓበሬታ ነቢበዮ ነይረ።
እዛ መጽሓፍ ኣብ ኢደይ ካብ እትበጽሕ ክሳብ ሕጂ ኣዋርሕ ኮይኑ ኣሎ። ግን መታን ምዙን ገምጋም ከቕርብ ግዜ በሊዐ ርግእ ኢለ ከንብባ መሪጸ።
እነሆ ክኣ ገምጋመይ።

መጽሓፍ "ዝናን ባህታን - ናጽነትን ስቕታን" ዓባይ መጽሓፍ እያ።
እታ መጽሓፍ፡ "ንቐደም በሉ፤ ባዕላቶም ኣለውዎ፤ ህልኽ ናብ ዕንወት እዩ ዘምርሕ፤ ብቐትሩ'ዶ ጸልሚቱና" ዝብላን ካልኦት ነብሰን ዝኸኣላ 15፡ ጀሚረን ዝውድኣን፡ ሕጂኸ ናበይ? እትብል ብሕቶ ጀሚራ ብእማመ እትውድእ ዓናቕጽ ዝሓቖፈት እያ።
እታ መጽሓፍ፡ ናይ ደራሲኣ ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ናይ ገዛእ ርእሱ ተመኩሮን ትዕዝብትን ዝሓቖፈ ፍጻሜን፡ ናይ ካልኦት መጻሕፍትን ጽሑፋት ዝሃየሰ ዓንቀጻት ዝሓቖፈት ብምዃና ኣብተን ብቐጥታ ንተሞኩሮ ደራሲ ዝትንክፋ ምዕራፋት ጥራሕ'የ ኣተኲረ።
ኣነ ከኣ ቅድሚ ዝኣገረ፡ መጽሓፍ "ዝናን ባህታን - ናጽነትን ስቕታን" ካብዚ ክብ ኢለ ዝተናኸፍኩዎ ምድባት ጽሑፍ ኣበይ ክሰርዓ ከም ዝኽእል ክሓስብ ፈቲነ።
ንጥበብ ኣጸሓሕፍኡን ዋሕዚ ትግርኝኡን ብዝምልከት፡ ናይ ውልቀይ ገምጋም ጥራሕ ከይከውን ብማለት ንሰለስተ ካብ መሳርሕተይ ሓሓንቲ ዓንቀጽ ኣምቢቦም ገምጋሞም ክነግሩኒ ሓቲተዮም።
ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ፡ ሰለስቲኦም፡ ኣብ መባእታ ትምህርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 5ይ ብቋንቋ ትግርኛ ዝተማህሩ፡ ትግርኛ ምስ ዝዛረብ ሕብረተሰብ ዝዓበዩ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ታዕሊምን ሰራዊትን ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ምስ ዝመጽኡ ተዛረብቲ ትግርኛ ብሓባር ዘገልገሉን እዮም።
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ኤርትራ ምስ ዘሎ ላህጃታት ትግርኛ 'ውን ሌላ ዘለዎም ክነሶም፡ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ትግርኛ ግን ከም ዝኸበዶምን፡ ንሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ፡ ደጋጊሞም ከየንበቡዋ፡ ንኽርድኡዋ ከም ዝተጸገሙ ነጊሮሙኒ።
ብፍላይ ገሊኦም፡ "ደራሲ ፍልስፍና'ዩ እመስለና" ኢሎሙኒ።
ንቋንቋ ትግርኛ ኣዕሚቚ ዘይፈልጥ፡ ወይ እኹል ማህደረ-ቃላት ዘይብሉ ሰብ፡ ንዋሕዚ ሐሳባት ጸሓፊ ብቐሊሉ ክርደኦ ኣጸጋሚ'ዩ።
ግን ከኣ ክፈልጥን ክርዳእን ንዝደሊ ብዙሕ ቁም-ነገርን "ኣብዛ ብእንካን ሃባን እትናበር ዓለም፡ ካብ ጽልእን ህልኽን ወጺእና፡ ንሓድሕድናን ምስ ጎረባብትናን ተኸባቢርና ንዓለምና መሲልና ንዋሳእ" ዝብል ዓሚቚ ኣተሓሳስባ ክሰንቕ ይኸእል'ዩ።
ኣብ ርእሲኡ ቋንቋ ትግርኛ ዝመልኮን ዝኣልዮ እንተረኺቡ፡ ዝደለኻዮ ሓሳባትን ዓውድን ንምግላጽ ዓቕሚ ከም ዘለዎ እውን ክርዳእ ይኽእል።
ይኹን እምበር፡ ከምቶም ከቢዳትና ዝበሉኒ መሳርሕተይ፡ ሰባት ነታ መጽሓፍ ግንጽል መሰበሉዋ ብኽብደት ኣገላልጻ እቲ ሓሳባት ተጸጊሞም ቀልጢፎም ክዓጽውዋ እውን ተኽእሎ ኣሎ።
እታ መጽሓፍ ብተመኩሮ ሓደ ሰብ ኣቢላ፡ ኣብ እዋን ዘውድን ደርግን፡ ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጸ ስርዓትን ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ክምእዝን ዝጸንሐ ህወሓትን፡ ንሂሮም ብዝወልዑዎ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ዘስዓቡዎ ኣደራዕ፡ ምስጓግን ምምዝባልን'ውን ብድፍረት ዝዳህሰሰ ደራሲ ምሳሉ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ተመኩሮኡ ውልቃዊ እኳ እንተኾነ ነቶም ብዕድመ ዘየርከቡሉ ወለዶ፡ ፍታሕን ድሕነትን ዝብሎ እማመ ኣቐሚጡ ስለ ዘሎ ክግምገም ኣገዳሲ እዩ።
ንዕድሉን ትዕድልቲ ህዝቡን ብጉዕዞ ህይወቱን ተመኩሮኦን ክርእዮ ዝፍትን ደራሲ፡ ነታ "ዝናን ባህታን - ናጽነትን ስቕታን" ክብል ዝሰመያ ኣርእስቲ እኹል መብርሂ ኣይሃበሉን።
ስለ ዝኾነ፡ እቲ እንዳ ዝናን ባህታን ተባሂሉ ዝተገልጸ ኣካል መን'ዩ? እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ብምሉኡ ድዩ ወይስ ኣብቲ ስርዓት ዘለው ውሑዳት ገበርትን ሓደግትን ሰባት?
እቲ ንናጽነት ዝተቓለሰ ግንባር ድዩ? ወይስ እቲ ድሕሪ 1994 መሪሕነት ዝተረከበ ህዝባዊ ግንባር ንዴሞክራስን ፍትሕን?
እታ ናጽነትን ስቕታን ትብል'ከ ንመን'ያ ትውክል? ኣብ መእተዊ ይኹን ኣብቲ ዝቕጽል ዝርዝር፡ ንመን ከም ዝኾነ ስለ ዘየነጸረ ኣብታ መጽሓፍ ከከም ድላይካ ዝምለስ ሃጓፍ ገዲፉ ኣሎ።
ይኹን እምበር ኣንባቢ፡ ካብታ መጽሓፍ፡ ኤርትራውያን፡ ብስንፍና መራሕትቶምን ስቕትኦምን፡ ካብ ናጽነት ክሳብ ሕጂ ዝኸዱዎ ጉዕዞ፡ ኣደዳ ኩናት፣ ስደት፣ ጭንቅን ሕሰምን ምዃኖም፤ 'ሕጂ ግን ካብ ዝሓለፈ ውድቀትና ተማሂርና ብኣርኣያ ስላሰ ንዝተፈጥረ ውልቀ ዜጋ፡ ዝግበኦ ክብሪ ሂብና ኣብቲ ዓለም ቀሪባትልና ዘላ ዕዳጋ ብጥበብ ተዋሲእና መጻኢና ንፍጠር' ዝብል ደፋር ገምጋምን መልስን ኣሎ።
ኣንባቢ፡ ነቢቡ ዝሓቑፎ፣ ዝነቕፎን ዝግልፎን ሓሳባት እውን ኣይመሰኣነን።
ደራሲ ኣብታ 'ህልኽ ናብ ዕንወት እዩ ዘምርሕ' እትብል ዓንቀጹ፡ ንኣብነት እቶም ጸላኢናን ጻላኢ ህዝብን ንዝብልዎ ስርዓት ደርግ ሓቢሮም ዝገጠሙዎ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን፡ ብባድመ ተባኢሶም ደም ዝተፋሰሱን ሃገር ዘልመሱን ቀደም እውን ባህሊ እንዳባ ንዝኾስኮሶ መፍትሒ ሽግር ዘተን ልዝብን ስለ ዘፍረሱዎ ምዃኖም ይጠቅስ።
ኣብ መወዳእትኡ ከኣ ብሰንኪ 'ኣነ'ዶ ንስኻ' ዝዓይነቱ ህልኽ ኣብ ኢዶም ዝነበረ መኣዲ ንጎረቤት ኣሕሊፎም ብምሃብ ነህዛቦም ብምጉድኦም ይነቅፍ።

ኣብታ ብቐትሩ'ዶ ጸልሚቱና እትብል ዓንቀጹ ከኣ፡ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ዝሓዘ ህዝብን ሃገርን ነታ ሚእቲ ሚልዮን ዝብዝሕ ህዝባ፡ ዓመታዊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ንኣገልግሎት ወደብ ንጂቡቲ እትኸፍል ጎረቤት ሃገር ከም ጸላኢትን ተጻባኢትን ምቑጻር ናይ ኣእሙሮ ጥፍሽና እዩ ክብል ብድፍረት ይወቅስ።
ብሕጽር ዝበለ መጽሓፍ ዝናን ባህታን፡ ንኹሉ ኤርትራዊ፡ ነቲ መንግስቲ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ደጋፍን ተቓዋምን ብሓበራ ካብቲ "ፈታዊ፡ ጸላኢ" ዝብል ናይ ቀደም ዝበለየ ኣተሓሳስባ ወጺኦም፡ እንታይ ሂብና እንታይ ንረብሕ፡ እንታይ ሼጥና እንታይ ንገዝእ ብዝብል ናይ ዕዳጋን ምዕባለን ሕጊ ክምርሑ የዘኻኽር።
ደራሲ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ንዘጋጠሞ ተመኩሮ ምርኩስ ገይሩ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብድፍረት ዝበሎን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መጋባእያታት ዘቕረቦ ሕቶታትን ዝረኸቦ ምላሽን ዝደርጎሶ ሓሳባትን እማመ ፍታሕን ብድፍረት ስለዘቕረቦ ብዝገበሮ ጻዕሪ ክምስገን ይግባእ።ቅስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







