ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኤርትራ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣብ ኤርትራ ክልተ ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ሎሚ ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።

እቶም ክልተ ግዳያት ናይቲ ቫይረስ፡ ሓደ ኣብ ዞባ ማእከል ዝሞተ ወዲ 99 ዓመትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ዓንሰባ ዝሞተ ወዲ 78 ዓመትን ምዃኖም እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።

ዛጊት ኣብታ ሃገር ብድምር 14 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ኣለዉ።

ኣብቲ ሎሚ ዝወጸ ሓበሬታ፡ 24 ተወሰኽቲ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ'ውን ተገሊጹ።

እቶም ሎሚ መርመራ ዝተገብረሎም ዜጋታት፡ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ማእከልን ደቡብን ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዝተረኽቡ'ዮም። ካልኦት 22 ሓውዮም ካብ ሆስፒታላት ተፋንዮም ኣለዉ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ 3,868 ሰባት ከምዝተለኽፉ ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና የመልክት።

ኤርትራ ድሕሪ'ቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣወጀቶ ተሪር ዕጽዋ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ንዘንበረቶ እገዳታት ከምዘፍኮሰቶ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ መጓዓዝያ ብኸፊል፡ ኣብያተ መግቢን መስተን፡ ከምኡ'ውን እንዳ ክዳውንቲ ዝበሉ ትካላት ንግዲ ተኸፊቶም ኣገልግሎት ይህቡ'ለዉ።

ንግዳዊ በረራታት ኣየር'ውን ካብ መፋርቕ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ተፈቒዱ'ሎ።

ለብዒ ናይቲ ለበዳ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እቲ እገዳታትን ዕጽዋን ምፍኳሱ ከምዘሻቕሎም ገለ ሰባት ይዛረቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣዊጁ ዝነበረ ዕጽዋ ኣብ መነባብሮ ናይቲ መብዛሕትኡ ትሑት እቶት ዘለዎ ህዝቢ ዓቢ ጸቕጢ ፈጢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምቅላል ባጀት ክስልዕ ከምዘይክእል ብምግላጽ፡ ሓደ ማዕከን ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ብምኽፋት ካብ ዜጋታት ብሚልዮናት ዶላራት ኣኪቡ ነይሩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ምንታይ መዓላ ከምዝወዓለ ብወግዒ ኣይገለጸን።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘለዎ መርገጺን ፖሊሲን ዛጊት ብወግዒ ኣየነጸረን ዘሎ።