ኵዕሶ እግሪ፡ ቸልሲ ንርያል ማድሪድ ስዒራ ናብ ፍጻመ 'ቻምፕዮንስ ሊግ' ሓሊፋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እንግሊዛዊት ጋንታ ቸልሲ ንርያል ማድሪድ ብምስዓር ናብ ፍጻመ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ሓሊፋ።
ቸልሲ ምስታ ንፒኤስጂ ብምስዓር ናብ ፍጻመ ዝሰገረት ኢንግሊዛዊት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ እያ ንዋንጫ ክትገጥም።
ቸልሲ ነታ 13 ግዜ ቻምፕዮን ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ዝኾነት ርያል ማድሪድ ኣብ ሜዳ ማድሪድ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምፍልላያ፡ ትማሊ ኣብ ሜዳኣ 2 ብ 0 ብምዕዋታ እያ ብድምር ውጺኢት 3 ብ 1 ስዒራ ናብ ዋንጫ ሰጊራ ዘላ።
ቸልስን ብፔፕ ጓርድዮላ እትስልጥን ማንቸስተር ሲትን 29 ግንቦት ግጥም ዋንጫ መን ወሰደ ከካይዳ'የን።
ኣሰልጣኒ ጋንታ ቸልሲ ቶማስ ቱቸል በቲ ዓወት ኣዝዩ ከምዝተሓጎሰ ብምግላጽ "ዓቢ ነገር'ዩ፡ እቲ ክብሪ ኸኣ ንኹሎም ተጻወትተይ እዩ ዝግብኦም" ኢሉ።
ቸልስን ማንሲትን ኣብዚ ዓመት እዚ ምስዚ ኣብዚ መወዳእታ ወርሒ ዘካይድኦ ናይ ፍጻመ ጸወታ ራብዓይ ግዜ እየን ዝጋጠማ ዘለዋ።
ኣብ ፕሪመይር ሊግ ማንሲቲ ንቸልሲ ኣብ ሜዳ ስታምፎርድ ብሪጅ 3 ብ 1 ስዒራታ ነይራ እያ፡ ቸልሲ ብወገና ኣብ 17 ሚያዝያ ኣብ ኤፍኤ ካፕ ንማንሲቲ 1 ብ 0 ብምስዓር ማንሲቲ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ጸወታታት ዋንጫ ንምስፍሳፍ ዝነበራ ሃቐነ ኣበርዒናትላ።
ኣሰልጣኒ ቦርስያ ዶርቱሙንድን ፓሪስ ሰይንት ጀርመንን ዝነበረ ቶማስ ቱቸል፡ ንቸልሲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ክርከባ እንከሎ ኣብ ፕሪመይር ሊግ ኣብ ታሽዓይ ደረጃ እያ ነይራ።
ሕጂ ግን ካብታ ኣብ ካልኣይቲ ዘላ ማንቸስተር ዩናይትድ ብሽዱሽተ ነጥቢ ድሒራ ኣብ ራብዓይ ደረጃ እያ ተሰሪዓ ዘላ።
ኣብ ኤፍኤካፕ'ውን ጽቡቕ ስለዝገስገሰት ግንቦት 15 ኣንጻር ለይሲስተር ሲቲ ናይ ዋንጫ ጸወታ ክህልዋ እዩ።
ቸልሲ፡ ኣብ 2008 ምስ ማንቸሰተር ዩናይትድ ናብ ፍጻመ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ በጺሓ ብፍጹም ቅላዕ ከምዝተሰዓረት ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ 2012 ንባየር ሙኒክ ብምስዓር ዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ሰፍሲፋ ነይራ።
ቸልሲ ኣብ ፕሪመርሊግ ካብ ማንሲቱ እኳ ብ19 ነጥቢ ድሒራ ኣብ መበል ራብዓይ ተሰሪዓ እንተሃለወት፡ ኣብ ቻምፕዮንስ ሊግን ኣብ ኤፍኤመ ካፕን ንፍጻመ ሓሊፋ ብምህላዋ ደበስ ኮይንዋ ኣሎ።
ትማሊ ኣብ ዝተካየደ ጸወታ ማድሪድን ቸልስን ነተን ክልቴ ሸቶታት ቸልሲ ቲሞ ወርነርን ማሶን ማውንትን'ዮም ኣቁጺሮመን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







