ስለምንታ'ዩ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሒሩ ዝበዓል?

ምንጪ ስእሊ, Eric Lafforgue/Art in All of Us
ሎሚ ሰንበት 02 ግንቦት፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብረ በዓለ ትንሳኤ እዩ። በዓለ ትንሳኤ ከም ኩሉ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ምእመናን ክርስትና ፍሉይ ክብሪ ኣለዎ።
ምእመናን ክርስትና፡ ''ወዲ ኣምላኽ ክንሱ፡ ድኹም ስጋ ኣዳም ለቢሱ፡ ኣብ ምድሪ ከም ሰብ ተመላሊሱ፡ መከራን ስቓይን ምድሪ ቀሚሱ፡ ንሰለስተ ዓመት ወንጌል ሰቢኹ፡ ንኣርብዓ መዓልታት ብሰይጣን ተፈቲኑ፡ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ፡ ሞይቱ - ተቐቢሩ፡ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ስዒሩ ተንሲኡ'' ብምባል ብኽብርን ምስጋናን የኽብሩ።
እቶም ን55 መዓልታት ኣብ ጾምን ጸሎትን ዝጸንሑ ምእመናን ውሉደ ክህነትን "ክርስቶስ ተንስኣ እም-ሙታን" ብማለት ጾመ-ሉጓም ፈቲሖም፡ ከከም ዓቕሚ ነብሶም፡ ሕሩድ ሓሪዶም፡ መዋጽኢ ክዳኖም ለቢሶም፡ ፈጣሪ ንዓመታ እዚ እዋን ከየሽረፈ ከየጉደለ ከጽንሖም፡ ዝወለዱዎም ከዕብየሎም፡ ዝዘርእዎ ከፍርየሎም ሰላምን ጥዕናን ክህቦም ብምትስፋው ብፍቕርን ምስጋናን ከምዘብዕሉዋ ኣብ 2010 ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ መዓርግ ክህነት ተቐቢሎም ቀሺ ኣጥናስዮስ ዝብል ናይ ክህነት ስም ዝተዋህቡ፡ "እርበዳ ወኪዱባ" ዘርእስታ (Massacre at Wekiduba) ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፉ ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፈሶር ሃብቱ ገብረኣብ የረድኡ።
ኣብዛ ምድሪ ዘለዋ ኣስታት 200 ዝኾና እምነታት ክርስትና ከኣ ከኣ ዋላ'ኳ ኣብ ኣተረጓጉማ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ሓደ ፍልልያት እንተለወን ኣብ ስቕለትን ትንሳአን ክርስቶስ ግን ሓባራዊ መረዳእታ ከምዘለወን መጻሕፍቲ እምነታት ይሕብሩ።
ስለምንታ'ዩ ግን በዓለ ትንሳኤ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሒሩ ዝበዓል?
ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ቀንዲ እምነታት ክርስትና፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ኮይና፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰዓብቲ ከምዘለውዋ ይእመን።
ብ1582 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግሪጎሪ መበል ዓሰርተ ሰለስተ፡ ምድሪ ኣብ ዙርያ ጸሓይ ንኽትዘውር ዝወስደላ 365.2425 መዓልታት ካብቲ ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ጁልየስ ዝግለጽ ቁሩብ ምትዕርራይ ከምዘድልዮ ብምውሳን፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ንወርሒ ለካቲት ሓንቲ መዓልቲ ብምውሳኽ፡ ምትዕርራይ ስለዝገበረ፡ እዚ ሎሚ ምዕራብ ዓለም ዝጥቀመሉ ዘሎ ዓውደ ኣዋርሕ ማዕቢሉ።
ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ናይ ዓውደ ኣዋርሕ ምትዕርራይ ከኣ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ካቶሊክን ኣርቶዶክስን ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ምስራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ሩስያ፡ ግሪኽ፡ ዩክረን፡ ሩመንያ፡ ሊባኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት ድሒረን በዓለ ትንሳኤ የብዕላ።
ብዝተረፈ ኩለን እምነታት ክርስትና ኣብ ልደትን ጥምቀትን፡ ኣብ ሞትን ትንሳኤን ክርስቶስን ወንጌላዊ ኣስተምህሮኡን ሓባራዊ ኣረዳድኣ ከምዘለወን ሊቃውንተን ይገልጹ።
ዓውደ ኣዋርሕ ግሪጎሪ ክእወጅ እንከሎ ኣብ መላእ ዓለም ሓባራዊ ተቐባልነት ስለ ዘይነበሮን፡ ኩለን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ስለዘይበጽሓን እተፈላለያ ሃገራትን እምነታትን ነቲ ዝተኸተልኦ ዓውደ ኣዋርሕ ብምስዓብ በዓላተን የኽብራ።
'ኣርቶዶክስ' ማለት'ከ እንታይ ማለት እዩ?
እቲ 'ኦርቶዶክስ' ዝብል ቃል፡ 'ኦርቶስ' ('ቅኑዕ')ን፡ ዶክስ ('እምነት')ን ካብ ዝትርጕሙ ክልተ ቃላት ግሪኽ ዝተዳቐለ ኮይኑ፡ "ቅኑዕ እምነት ወይ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ" ማለት ምዃኑ "ምብራቓዊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን" ብዝብል ኣርእስቲ ብ2011 ኣብ ቢቢሲ ተሓቲሙ ዝወጽአ ሰፊሕ ዓንቀጽ የረድእ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲንሲናቲ (University of Cincinnati) ሕ.መ.ኣ. ንልዕሊ 25 ዓመት ዝመሃሩ፣ ኣብ ዓውዲ ምርምር ታሪኽ እቲ ዝለዓለ ናይ ኣካዳሚያዊ መዓርግ - ፕሮፈሰር - ዘለዎም ኣብ ክልተ ዓውድታት ህይወት - ምርምርን ቅሽነትን ዝነጥፉ ገዲም መምህርን ናይ ታሪኽ ተመራማርን ሊቅን ቐሺ ኣጥናስዮስ፡ "ዓውደ-ኣዋርሕ ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ፡ ንታሪኽን እምነትን ቤተ-ክርስትያን'ዩ ዜንጸባርቕን ዝገልጽን ምዃኑ፡ ፍሪድሪሽ ሃይለር ዝተባህለ ተመራማሪ ንዝሰመዮ ዓመታዊ ስርዓተ ኣምልኾ (ሊጡርግያ) ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ብምጥቃስ፡ ጽቡቕ ትንታኔ ታሪኽ ክቐርብ እንተተደልዩ ንበዓላት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዓውደ-ኣዋርሑን ብዝግባእ ምርኣይ የድሊ" ይብሉ።
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ከም ካልኦት እምነታት ክርስትና "እግዚኣብሄር ብሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ርእሱ ከም ዝገለጸን ምእንቲ ሓጥኣን ህዝበ ዓለም ከም እተሰቕለን ድሕሪ ሳልስቲ ካብ ሞት ተንሲኡ ከምዝዓረገን ይኣምና። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስትያን እምነታት ኣርቶዶክስ ንባህላዊ ልምድታት ናይ ኣመንቲ ዘንጸባርቕ ናይ ገዛእ ርእሰን ጂኦግራፊያዊ ምሕደራን መዓርግን ከምዘለወን ሰነዳት ይሕብሩ።
ኣባ ቐሺ ኣጥናስዮስ፡ "እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ እምነታት ክርስትና ኢትዮጵያን ኤርትራን በቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዝተሞከሮም ቀንዲ ፍጻሜታት ዝውከል ኮይኑ ካብ ልደቱ ክሳብ ክሳብ ዕርገቱን መንፈስ ቅዱስ ዝወረደሉ መዓልቲ ከምዘኽብር ብምዝኽኻር ንምእመናን ረቂቕነት ናይ ተፈጥሮና ንከስተማቕሩ ስለ ዝሕግዙ ኣብ ድሕነት ደቂ-ሰባት ኣዝዮም ኣገደስቲ'ዮም" ክብሉ፡ ፋሲካ ኣብ ቤት-ክርስትያን ኦርቶዶክስ እቲ ዝዓበየ ሃሴት ዝመልኦ ርእሰ በዓላት ምዃኑ ሓቢሮም።
መዓልታት ሕማማት
ምእመናን ነተን ሰሙን ቅድመ በዓለ ትንሳኤ ዘለዋ ሓሙሽተ መዓልታት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ንዘሕለፎ ስቓይን መከራን ብምዝካር "ሕማማት" ኢሎም ይሰምዩወን።
ኣብተን ዕለታት ከኣ ውሉደ ክህነት ጥራሕ ዘይኮኑ ኩሎም ምእመናን ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቀትሪ ንዘሎ ሰዓታት ምግቢ ከይለኸፉን ማይ ከይሰተዩን ብጸሎት የሕልፉዎ።
እታ ክርስቶስ ኣብ መንጎ ክልተ ገበነኛታት እተሰቕለላ ዕለተ ዓርቢ፡ ክሳብ ግብኣተ ጸሓይ ይጾሙን፡ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ኮነ ኣባይቶም ብቓንቋ ግሪክ ኪራላይሶን ("ጐይታይ፡ ምሐረና") እናበሉ ይሰግዱ።
ካህናት ካብ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣትሒዞም ብከበሮን ጸናጽልን "ተንስኣ እምነ ሙታን!' ብምባል ዋዜማ ቆይሞም ይውድሱን ይምጉሱን። ካህናት ንዝክረ ትንሳአ ክርስቶስ ናብ ሰንበት ዘውግሕ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ቅዳሰ ይኣተው። ምእመናን ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ክርስትያንን ኣብ ቀጽርታተንን ብውሉደ ክህነት ተመሪሖም ጥዋፍ ኣብሪሆም " ተንስኣ እምነ ሙታን" ካብ ምውታን ተንሲኡ እናበሉ እናዘመሩ ሰለስተ ሳዕ ይዞሩ።
ፍርቂ ለይቲ ምስ ቀረበ፡ መዓጹ መቕደስ ይኽፈቱ፡ መጋረጃ ይቕንጠጥ፡ እቶም ካህናት ተር ኢሎም ኣብ ዙርያ መሰውኢ ይስርዑ፣ ትንሳኤ ክርስቶስ ከኣ የበስሩ። ሽዑ እቶም ምእመናን ብመዝሙር ተሰንዮም ሽምዓ ወሊዖም ንቤተክርስትያን እቲ ቐጽርን ጥዋፍ ኣብሪሆም "ክርስቶስ ተንስኣ እም ሙቷን" እናበሉ ሰለስተ ሳዕ ይዞሩዎ።
ጣቕዒት ይስማዕ፣ ከበሮ ይህረም፣ እልልታ ይፍኖ፡ ልክዕ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኣኸለ ከኣ ኣመንቲ፡ በዓል ዓቢ ሃይል ወስልጣን ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግኣዞ ለኣዳም፡ ሰላም እምእዝየሰ፡ ኮነ ፍስሃ ወሰላም" ኢሎም ተባሪኾም መስቀል ተሳሊሞም ነናብ ቤቶም ይኸዱ።
ህዝቢ ንሓድሕዶም "እንቋዕ ጾመ-ልጓም ፈትሓልኩም፤ እንቋዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ኣብጽሓኩም" እናበሉ ፋሲካ ንምብዓል ንቤቶም ይጐዓዙ። ሰንበት ለይቲ ገዓት ጠስሚ ይብላዕ፡ ንንግሁኡ ደርሆ ትሕረድ። እቶም ርኹባት ከኣ ኣጣልን ኣባጊዕን ይሓርዱ፣ እቲ መዓልቲ ብጸሎተ-ምስጋናን ምዝንጋዕን ጥራይ ዘይኰነስ ብብላዕ-ዎስተ ኢዩ ዝልለ።
ዝኽርን ጽምብልን በዓለ ትንሳኤ
ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ብካህን ሽመማን ዝፍለጡ ሓደ ዓቢ ስነ-ሃይማኖተኛ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያን ...'' እቲ ኣምልኾ ብምሉኡ ኣብ ክቢ ፋሲካ ከምዝዓስልን እቲ ስርዓተ ቅዳሰ (ሊጡርግያ)ዊ ዓመት ናብ ንግደት ፋሲካ ከም ዝመርሕ መፈጸምታን መጀመርታን ጕዕዞና ክረአ ከምዝኽእል'' ይሕብሩ።
" እቲ ... መፈጸምታ ዝዀነሉ ምኽንያት ነቲ ዓመት ስለ ዝሰገርና፣ መጀመርታ ዝዀነሉ ድማ ብትንሳኤ ኢየሱስ ሓድሽ ህይወት ስለእንረክብ ንፋሲካ ከም ሓደ መተሓላለፊ ጌርና ክንርእዮ ንኽእል ... ካብ ዓለምና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዜመሓላልፍ ብክርስቶስ ዝተጸርገ መንገዲ'ዩ" ክብሉ ይገልጹዎ።
ቐሺ ኣጥናጥዮዎስ ከኣ፡ "መግለጺ ኣቦና ካህን ሽመማን፡ ምእመናን ኦርቶዶክስያዊት ቤት-ክርስትያን ካብ ፋሲካ ናብ ፋሲካ ከም ዝነብሩ እዩ ዘረድእ" ይብሉ።
ካብ ሓደ መስከረም ጀሚሩ እቲ ቤት-ክርስትያን ዜብዕሎም ዓሰርተ-ክልተ ዓበይቲ በዓላት ከምዘለው፡ እቶም በዓላት ድንግል ማርያምን ኢየሱስ ክርስቶስን ዝተሓጽሩ ምዃኖም፡ ፋሲካ ግን ምንጪ ኩሎም በዓላት ምዃኑን ምስቶም ዓሰርተ ክልተ በዓላት ከምዘይጽብጸብን ይሕብሩ።
ፋሲካ ብመሰረት ሊጡርግያዊ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ን55 መዓልታት ከምዝጽወምን ብሰሙነ-ሕማማት ከምዝዛዘም የረድኡ።
እተን ድሕሪ ሆሳእና ዘለዋ ሰሙን ዕለታት ሕማማት ኢየሱስ ኣብ ምድሪ ንዘጓነፎ መከራ ዝዝከረለን መዓልታት'የን። ኣብዛ ሰሙን'ዚኣ ምእመናን ይጾሙ፡ ይጽልዩ፡ ይሰግዱ። እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጥርዚ ዝበጽሓሉን መወዳእታን መጀመርታን ናይቲ ዓመት ዝላገብሉ መዓልቲ ኰይኑ "ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን! በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን!" ተባሂሉ ይእወጅ።
ኣብቶም ዝስዕቡ ሓምሳ መዓልታት ከኣ ቤት ክርስትያን ንትንሳኤ ክርስቶስ ብዕዙዝ ኣገባብ የብዕሎ፣ ብበዓል ጰንጠቆስጠ ኸኣ ይዛዝሞ። ኣብ'ዞም መዓልታት'ዚኦም ንጽንምብል ትንሳኤ ስለ ዝተሓዝኡ ብጾም ኣይስነዩን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







