ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህንጻ ብምፍራሱ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ሓደጋ ዝበጽሖ ካዛንቺስ ከባቢ
መግለጺ ስእሊ, ሓደጋ ዝበጽሖ ካዛንቺስ ከባቢ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ሓደ ኣብ ከይዲ ህንጸት ዝነበረ ህንጻ ከምዝፈረሰ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮምሽን ኣመራርሓ ስራሕ ባርዕን ሓደጋን ኣፍሊጡ።

እቲ ህንጻ ኣብ ካዛንችስ ማዕዶ ሆቴል ጁፒተር ከምዝኾነ ዝሓበረ ናይቲ ትካል ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጉልላት ጌታነህ፡ ትማሊ ዓርቢ ሰዓት 5 ከምዝፈረሰ ኣፍሊጡ።

እቲ ህንጻ ገና ኣብ ጅማሮ እንከሎ ዝፈረሰ ኮይኑ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰለስተ ሰባት መይቶም ኣለዉ። ምኽንያት መፍረሲኡ ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን። እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ክሊ ዕደመ 23ን 24ን ዝርከቡ መናእሰይ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ካብቶም ዝሞቱ ብተወሳኺ ካልኦት 4 ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም’ሎ።

ኣብቲ ዝፈረሰ ህንጻ 112 ሰባት ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፖሊስ ፌደራልን ተሓባቢሮም ብዘካየድዎ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ 109 ሰባት ከምዘድሓኑ ኣቶ ጉልላት ተዛሪቡ።

እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምቁጽጻር ሰብሞያን ተሽከርከርትን ስለዝተዋፈሩ ኣብ ውሽጢ 2 ሰዓታት ኣብ ቁጽጽር ውዒሉ።

ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ዝገለጸ ኣቶ ጉልላት በቲ ዝተገበረ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ክልተ ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝድሓነ ሓቢሩ።

እታ መዓልታዊ ብዙሕ ናይ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ዝካየደላ ኣዲስ ኣበባ ሰኣን እኹል ጥንቅቓ ምግባር ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰባት ንብረትን ጉድኣት ይበጽሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።