ኮቪድ-19: ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ሃብታማት ሃገራት ኣብ ክታበት ዘርኣይኦ ስሰዐ ነቒፉ

ብመገዲ ኮቫክስ ናብ ሃገራት ዝዝርጋሕ ክታበት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝርግሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት “ዘሰንብድ ዘይምምጥጣን” ከም ዝተርኣየ ብምግላጽ ነቒፉ።

እቲ ክታበት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ናይ ምቕራብ ሸቶ ከም ዘይተዓወተ’ውን ገሊጹ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ርትዓዊ ዝርግሐ እቲ ክታበት ክህሉ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ድኻታት ሃገራት ነቲ ክታበት ምእንቲ ክረኽባ ኮቫክስ ዝበሃል ንድፊ ኣዳልዩ ዛጊት ኣብቲ ንድፊ ናብ ዝተጠርነፋ ልዕሊ 100 ሃገራት 38 ሚልዮን ክታበት ከባጽሕ ክኢሉ ኣሎ።

ንድፊ ኮቫክስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ናብ 190 ሃገራት ልዕሊ 2 ቢልዮን ክታበት ከመቓርሕ ይውጥን።

ብፍላይ ድማ እተን 92 ዝደኸያ ሃገራት ማዕረ እተን ሃብታማት ሃገራት ነቲ ክታበት ከም ዝረኽባ ንምግባር ይሰርሕ።

ውድብ ጥዕና ዓለም እንታይ’ዩ ኢሉ?

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ኣብ ዓለምለኻዊ ዝርግሐ እቶም ክታበታት ጌና ዘሰንብድ ዘይምምጥጣን ኣሎ” ኢሉ።

“ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ሃብታማት ሃገራት ሓደ ካብ ኣርባዕተ ሰባት ነቲ ክታበት ወሲዶምዎ ኣለው። ኣብ ድኻታት ሃገራት ግና ሓደ ካብ 500 እዩ” ኢሉ።

ንድፊ ኮቫክስ ክሳዕ ወወዳእታ ወርሒ መጋቢት ብውሕዱ 100 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበታት ክዝርግሕ ተሊሙ እኳ እንተነበረ ዛጊት 38 ሚልዮን ጥራሕ እዩ ከመቓርሕ ክኢሉ።

ኣብ ወርሓት ሚያዝያን ግንቦትን ናብ ውጥኑ ክምለስ ከም ዝትስፎ ዶክተር ቴድሮስ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ ነተን ካብ ኮቫክስ ወጻኢ ብናተን መገዲ ውዕላት ክታበት ዝፍጽማ ዘለዋ ሃገራት’ውን ነቒፉ።

“ገለ ሃገራትን ኩባንያታትን ንፖለቲካውን ቁጠባውን ረብሓታት ናታቶም ክልተኣዊ ናይ ክታበት ልግሲ ንምግባር ወጢኖም” ድሕሪ ምባል እዚ ክልተኣዊ ስምምዓት ንዘይምዕሩይነት ዝርግሐ እቲ ክታበታት ዘጋድድ ምዃኑ ገሊጹ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት፡ ዓለም ኣብ ጉዳይ ዝርግሐ ክታበታት “ናብ ጥፍኣት ዘምርሕ ሞራላዊ ውድቀት” ገጢምዋ ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

“ቅድም ንኣይ” ዝብል ኣተሓሕዛ ንዕድመ እቲ ለበዳ ዘናውሕ ምዃኑ ብምግላጽ ሓጋዚ ከም ዘይከውን ተዛሪቡ።

ኩነታት ዝርግሐ ክታበታት ኮቪድ-19

ኣብ ብሪጣንያ፣ ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳ፣ ሩስያን ቻይናን ዝማዕበሉ ክታበታት ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ እንከለው፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓዲገን ይጥቀማ ኣለዋ።

እንተኾነ ግና እቲ ዝርግሐ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝተመጣጠነ ኣይኮነን።

ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ኣብዚ እዋን 4.6 ቢልዮን ብልቃጥ ሒዘን ምህላወን ክረጋገጽ እንከሎ፡ ማእከላይን ትሑትን ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ግና 670 ሚልዮን ጥራሕ ረኺበን ምህላወን ብማእከል ምሕየሻ ግሎባዊ ጥዕና ዱክ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የርእይ።