እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቤይጂን ንኒውዮርክ ብምብላጽ ዝበዝሑ ቢልዮነራት ዘለዋ ከተማ ኮይና
በይጂን ኣብ ዓለም ልዕሊ ዝኸነት ካልእ ከተማ ዝበዝሑ ቢልዮነራት ዘለዋ ከተማ ምዃና መጽሔት ፎርብስ ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ ሓቢሩ።
ርእሰ ከተማ ቻይና ቤይጂን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 33 ሓደስቲ ቢልዮነራት ብምውሳኽ 100 ቢልዮነራት ኣዕቚባ ከም ዘላ እቲ መጽሄት ጠቒሱ።
በዚ ድማ ቤይጂን ነታ ንዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ቅድሚት ክትጥቀስ ዝጸንሐት ከተማ ኒውዮርክ በሊጻ ኣላ። ኣብዚ እዋን ኒውዮርክ፡ 99 ቢልዮነራት ከም ዘለውዋ እቲ ምንጪ የረድእ።
ቻይና ንኮቪድ-19 ብቕልጡፍ ክትቆጻጸሮ ምኽኣላ፡ ምውሳኽ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያታትን ዕዳጋ ኣክስዮንን እታ ከተማ ኣብዚ ክትበጽሕ ከም ዘኽኣላ ይግለጽ።
ብቑጽሪ ብዝሒ ቢልዮነራት፡ ቤይጂን ካብ ናይ ኒውዮርክ እንተበለጸት'ውን ብድምር ሃብቲ ናይ ቢልዮነራት፡ እታ ብ 'ቢግ ኣፕል' እትፍለጥ ኒውዮርክ ጌና ዝለዓለ ስፍሒ ሒዛ ትቕጽል ኣላ። ድምር ሃብቲ ቢልዮነራት ኒውዮርክ ካብቲ ናይ ቤይጂን ብ 80 ቢልዮን ዶላር ከም ዝዛይድ ጸብጻብ ፎርብስ የርእይ።
ዝሃብተመ ነባሪ ቤይጂን ዛንግ ዪሚን ኮይኑ፡ መስራቲ ናይቲ ቪድዮ ዝዝርግሕ መተግበሪ ማሕበራዊ መራኸቢ ቲክቶክን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ባይት ዳንስን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃብቱ ብዕጽፊ ብምውሳኽ 35.6 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ።
ዝሃብተመ በዓልጸጋ ኒውዮርክ ድማ፡ ከንቲባ ነበር ሚካኤል ብሉምበርግ ኮይኑ 59 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ኣለዎ።
ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ ብዙሓት ሰባት ብመገዲ ኢንተርነት ዕድጊ ይፍጽሙ ብምህላዎም፡ ኣብ ቻይና ኮነ ኣሜሪካ ዝርከቡ ናይ ተክኖሎጂ ዓበይቲ ኩባንያታት ልዑል ዕብየት'ዮም ኣርእዮም።
ጸብጻብ ፎርብስ፡ ንሆንግ ኮንግን ማካውን ምስ ቻይና ብሓባር ጠርኒፉ ዘቕረበ ክኸውን እንከሎ፡ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ዝኾነት ካልእ ሃገር ዝበዝሑ ሓደስቲ ቢልዮነራት ዝተራእዩላ ሃገር ኮይና ኣላ።
ካብ ቢልዮነራት ቻይና እቶም ዝበዝሑ፡ ምንጪ ሃብቶም ካብ ፋብሪካታት ወይ ካብ ትካላት ቴክኖሎጂ እዩ።
698 ቢልዮነራት ዘለዋ ቻይና ነታ ብ724 ቢልዮነራት ኣብ ቅድሚት ትመርሕ ዘላ ኣሜሪካ ትቀራረባ ኣላ።
ህንዲ ብብዝሒ ቢልዮነራት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ እትስራዕ ኮይና 140 ቢልዮነራት ኣለዋ።
ኣብ እስያ ፓሲፊክ ዝርከቡ 1149 ቢልዮነራት ብድምር 4.7 ትሪልዮን ዶላር ዝግመት ሃብቲ ክህልዎም እንከሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ጥራይ ዘለው ቢልዮነራት 4.4 ትሪልዮን ዶላር ሃብቲ ኣለዎም።
ብመሰረት ጸብጻብ ፎርብስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓፈሻ 493 ሓደስቲ ቢልዮነራት ተራእዮም ኣለው፤ እዚ ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ 17 ሰዓት ሓድሽ ቢልዮነር ይፍጠር ኣሎ።
መስራቲ ኣማዞን ጆፍ ቤዞስ፡ ንራብዓይ ዓመቱ ኣብ ዓለም ዝሃብተ ሰብ ኮይኑ ቀጺሉ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሃብቱ 64 ቢልዮን ዶላር ብምውሳኽ 177 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ።