እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወዲ 39 ዓመት ቻይናዊ ቢልዮነር ተመሪዙ ሞይቱ
ወዲ 39 ዓመት ቻይናዊ ቢልዮነር ሊን ኪ፡ ኣብ መዓልቲ ልደት ተመሪዙ ከምዝሞተ ፖሊስ ሻንጋይ ኣፍሊጡ።
ሊን ኪ፡ ናይ’ቲ መጻወቲ ቪድዮታት (ጌም) ዝሰርሕ ኩባንያ ‘ዩዙ’ ኣቦ መንበር እዩ ነይሩ።
እቲ ኩባንያ 'ጌም ኦፍ ትሮንስ፡ ዊንተር ኢዝ ካሚንግ' ዝበሃል መጻወቲ ቪድዮ ሰሪሑ ናብ ዕዳጋ ብምቕራቡ ተፈታውነት ዝረኸበ እዩ፥
ፖሊስ ሻንጋይ ከምዝበሎ፡ ነዚ ቢልዮነር ብምምራዝ ተጠርጢሩ ዘሎ፡ ‘ዡ’ ዝበሃል መሳርሕቱ እዩ።
ሊን ኪ፡ 6.8 ቢልዬን ዬዋን ወይ ድማ 1 ቢልዬን ዶላር ሃብቲ ከምዘለዎ ይግለጽ።
ብዙሓት ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ኩባንያ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ትካል ተኣኪቦም ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊጾም።
እቲ ኩባንያ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዊቦ ዝበሃል ናይ ቻይና ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ደሓን ኩን መንእሰይ’ ብዝብል ልቢ ዝትንክፍ መግለጺ ሓዘን ኣስፊሩ።
ኣሸሓት ተጠቀምቲ ናይ’ዚ ማሕበራዊ መራኸቢ ድማ፡ ኣብ’ቲ ርእይቶ መውሃቢ ሓዘኖም ገሊጾም።
እቲ ኩባንያ ንዝጠቀዖ መግለጺ ሓዘን፡ ኣስታት 290 ሚልዮን ሰባት ርእዮምዎ።
ናይ’ቲ ተመሪዙ ዝመተ ቢልዮነር ኩባንያ፡ ካብ’ቲ 'ጌም ኦፍ ትሮንስ' ዝበሃል መጻወቲ ብተወሳኺ፡ ካልእ ‘ብራውል ስታርስ’ ዝበሃል ናይ ኮምፒዩተር መጻወቲ’ውን፡ ምስ ‘ቴንሴንት’ ዝበሃል ካልእ ዉሩይ ኩባንያ ብምትሕብባር ኣፍርዩ እዩ።
እቲ ኩባንያ ናብ ኢንዱስትሪ ፊልም ኣትዩ ክሰርሕ’ውን ይጽዕር ነይሩ።
እቲ ቢልዮነር ብመሳርሕቱ ክምረዝ ዝኸኣለ፡ ኣብ ስርሖም ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ክኸውን ከምዝኽእል ጋዜጣታት ቻይና ይገልጻ።