እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ይፈታተኖ ኣሎ
ቻይና ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታታ ኣብ ኣፍሪቃ ከተሐይሎ ትረአ ኣላ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን፡ ነተን ዓቢ ልቓሕ ሂባተን ዘላ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ዝኾነ ለውጥታት ዘይምግባራ፡ ነቲ ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ ጥሙሕ ዕንቅፋት ከይኮና ኣይተርፍን'ዩ።
ኮቪድ-19 ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ለሓመ፡ ቻይና ሰብኣዊ ሓገዛት ብምብርካት ኣብታ ኣህጉር ዘለዋ 'ልስሉስ ሓይሊ' ሱር ከምዝሰድድ ትገብር ኣላ።
ነቲ ካብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዕደአን ክትስርዘለን ዝቐረበላ ምሕጽንታ ግን ዛጊት 'ጸማም እዝኒ" ሂባቶ ትርከብ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ቻይና ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ምስ ኮሮናቫይረስ ተታሓሒዙ ዝወረዶም ኣደራዕ፡ ቻይና ነቲ ተግባር ኣመልኪታ ዝሃበቶ 'ነብሰ ምክልኻል' ዝዓብለሎ ግብረ መልሲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣፍሪቃን ዘሎ ርክብ ናብ ክትዕን ጥርጣረን ከምዘምርሕ ገይርዎ'ሎ።
እቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓያል ቁጠዐ ዝፈጠረን፡ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወን'ዩ ነይሩ።
ዋላ'ኳ፡ ቻይና ኣንጻር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተኸተለቶ ስትራተጂ፡ ኣብ ጸለውቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣድናቖት ረኺቡ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን፡ ንቻይና ብዓሌትነት ዝኸስስን፡ ጥቕማ ጥራይ ዘገድሳ ሃገር ከም ዝኾነት ዝገልጽን ኣሉታዊ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃን እናዓብለለ መጺኡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ሓደ ዕቁድ፡ ቻይና ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝቐርበላ ናይ ልቃሕ ሕቶ ብዘይቅድመ ኩነት ማዕጾ ካዝናኣ ወትሩ ርሑው እያ ገይራቶ ጸኒሓ። ዘይከም ካልኦት ለገስትን ኣለቃሕትን ሃገራት፡ ንገለ ሰባዊ መሰላት ዜጋታቶም ዘየኽብሩ መንግስታት ከይተረፈ ዕሽሽ ኢላ፡ ዝሓተትዎ ክትህቦም ጸኒሓ'ያ።
ከም ውጽኢቱ ምስ ምዕራባውያን ሃገራትን ትካላትን ብምንጽጻር፡ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ትረኽቦ ኩንትራት ናይ ዓበይቲ ትሕቲ ቅርጺ ከተውሕስ ሓጊዝዋ እዩ።
ናይ ሕክምና ዲፕሎማሲ
ብ10 መጋቢት 2020 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ዋላ መጠንን ንመንን ከምዝሃበ ኣይግለጽ፡ ሃገሩ ንኣፍሪቃ ገንዘብን ንዋታዊ ሓገዝን ከምዘበርከተት ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ካብ ቻይና ናብ ኣፍሪቃን ካልኦትን ዝውሃብ ዘሎ ሓገዝ፡ እቲ ካብ ቢልዮነር ጃክ ማ ዝውሃብ ዘሎ ሕክምናዊ ሓገዛት ክጥቀስ ይክኣል'ዩ።
ጃክ ማ ካብ 27 ሚያዝያ ጀሚሩ ሰለስተ ግዜ ንዋታዊ ደገፍ ናብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ሰዲዱ'ሎ።
እዚ ናይ ጃክ ማ ሓገዝ 4.6 ሚልዮን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፡ 500 ሽሕ መትሓዚ ቅምሶን መመርመርን፡ 300 መካኒካዊ ቬንትለተርን፡ 200 ሽሕ ምሉእ መከላኸሊ ልብሲን ይርከቦ።
ቻይና ንኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ሱር ክሰድድን፡ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ኸኣ ኣሜሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለወን ርክብ ብምብታኽ ላዕለዋይ ኢድ ንኽህልዋን እያ ትጥቀመሉ ዘላ።
ፕረዚደንት ቻይና ዢን ጂንፒንግ ምስ ሓያለ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተዘራረበን ሓገዛት ከም ዘበርክተሎም መብጽዓ ብምእታው ኣብ ዓለም ዘለዎ ጽልዋ ክስርት ተራእዩ እዩ።
ኣገልግሎት ዜና ሽንህዋ'ውን ነዚ ሰረት ኣብ ምድልዳል ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኢምባሲታት ቻይና ንዝገብርዎ ሓገዛት ሰፊሕ ሸፈነ ክትህቦ ተራእያ እያ።
ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ርዋንዳ እውን "ቻይና እተበርክቶ ዘላ ልቦናዊ ሓገዝ፡ ዓለማዊ ብድሆታት ንምምካት ዘለዋ ቅርቡነት ዘረጋግጽ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ቻይና፡ ነዚ ጽልዋ ንምፍጣር ትገብሮ ዘላ 'ስዉር' ጎስጓስ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብመንግስታዊ ማዕከን ዜናን ቻይናውያን ሰብ ርእሰማልን እያ ትቕልሶ ዘላ።
ነቲ ዝውሃብ ዘሎ ሕክምናዊ ሓገዛት ልዕሊ እቲ ዝግብኦ ምውዕዋዕን ሸፈነ ብምሃብ ንቻይና ናብ ዝለዓለ ጽፍሕን ንምድያብን ከም እንኮ መሻርኽቲ ከምዝኾነት ምስላ ንምኹላዕ ዝግበር ዘሎ'ዩ።
ከም ሲጂቲኤን ከምኡ እውን ሽንህዋ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ኸኣ እተን ምስሊ ቻይና ኣብቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ተዘርጊሒለን ዘሎ መስኣሊ (ካንባስ) ዝቐብኣ ዘለዋ እየን።
እዘን ማዕከናት ዜና ቻይና ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሻቅሎትን ተገዳስነትን ብምግላጽ ውልቀ ዜጋታት ቻይና ከይተረፉ ንኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ገንዘባውን ተክኒካውን ማሎም ከምዘይበቁ'የን ዘጋውሓ።
ንኣፍሪቃ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሰርሕዎ ዜና ከኣ "ምሕዝነት" ከምኡ እውን "እምንቲ መላፍንቲ" ዝብላ ቃላት ክደጋግምወን ይስምዑ'ዮም።
'ስሙም' ሓገዝ
ፓንች ዝተበሃለት ኣብ ናይጀራያ ዓቢ ዝርገሐ ዘለዋ ጋዜጣ፡ 5 ሚያዝያ ንንባብ ካብ ዘብቅዓቶ ዓንቀጽ፡ ናይጀርያ ነቲ ካብ ቻይና ዝቐረበላ ሓገዝ ናይ ዶኳትር፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ኣብ ቻይና እምነት ስለዘይብላ ነቶም ካብ ቻይና ክልኣኹ ዝተሓሰቡ ቻይናውያን ዶኳትር ከም ዝተሓሰመቶም ገሊጻ ኣላ።
ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናይዚ ፍጻመ እውን ራድዮ ብያፍራ፡ ናይጀርያ "ስኑዕ መድሃኒታትን መመርመርን ካብ ቻይና ከይትቕበል" ዝምሕጸን መደብ ኣቕሪባ ነይራ'ያ።
እታ ሬድዮ ነቲ ብቻይና ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝምጦ ዘሎ ሓገዝ "ዝተሰመመ ሓገዝ" ክትብል እያ ገሊጻቶ። ኣብቲ ሬድዮ ነቲ ዝርርብ ዝመርሕ ዝነበረ ጋዜጤኛ ንቻይና 'ሰይጣን' 'እከይ' 'ደም እትመጹ' ኢሉ እዩ ገሊጽዋ።
ንቻይና ኢድ ምንሳእን ዓሌታውነትን
ኣብ ጉዋንዞ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ኣፍሪቃውያን ብቻይናውያን ኣናተጋፍዑ ዘርኢ ተነቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ ኣብ ልዕሊ ቻይና ሓያል ነቐፌያ እዩ ወሪዱ።
ኣብቲ 'ቪድዮ' ኣፍሪቃውያን ካብ መንበሪ ገዘኦም ኣናተሰጎጉን ብሓይሊ እናተወሸቡን እዩ ዘርኢ። እቲ ምኽንያት ኸኣ ጸለምቲ ቀንዲ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዮም ዝብል እዩ።
ኣብ ኬንያ እትሕተም ደይሊ ኔሽን ዝተብሃለት ጋዜጣ 20 ሚያዝያ ኣብ ዝሓተመቶ ጽሑፍ "ቀንዲ ምንጭን ምኽንያትን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ማይ ንግሆ ብሩህ እንከሎስ ናብ ኣፍሪቃውያን? እዚ መስሓቕ ዘይርትዓውን ዘለፋን'ዩ" ክትብል እያ ገሊጻቶ።
እታ ጋዜጣ ብምስዓብ "መንግስትና [መንግስቲ ኬንያ] ምስ ቻይና ዘለዎ ርክብ ንምኽሳብ ኢድ ክነስእ ይረአ'ዩ፡ እዚ 'ዩ ኸኣ ዓገብ ከይብል ትብዓት ኣስኢንዎ ዘሎ" ትብል።
ካልእ ስታንዳርድ ዝተብህለት ጋዜጣ ኬንያ'ውን ነቲ ግብረ መልሲ ናይ ቻይና 'ዕንጅልና' እዩ ብምባል፡ ሓደ ቻይናዊ ኣብ ኬንያ ምስ ተጋፈዐ ቻይና ዝሃበቶ ምፍርራሕ ዝሓዘለ ግብረ መልሲ ብምጥቃስ፡ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት ሚዛኑ ዝሓለወ ከምዘይኮነ ምጉት ተቕርብ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እትርከብ ዓቢ ጽልዋ ዘለዋ ደይሊ ማቫሪክ እትብሃል መርበብ ሓበሬታ እውን እቲ ኣብ ቻይናዊት ከተማ ጉዋንግዙ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ዝወረደ ኣደራዕ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣፍሪቃን ቻይናን ዘሎ ርክብ ዓነውነው ከብል ዝኽእል ምንቕናቕ እምነ ኩርናዕ ምዃኑ እያ ገሊጻቶ።
ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተጠቐምቲ ማሕበራዊ ሚድያ'ውን ነቲ ኣብ ቻይና ዝተፈጸመ 'ግፍዒ' ብምኹናን ኣብ ልዕሊ ቻይና ዘለዎም ኣረኣእያ ብኣሉታ ዝተቃነየ ምዃኒ ክገልጹ ተራእዮም እዮም።
ስቅታ ኣብ ሩፍታ ዕዳ
ቻይናውያን ሰብ መዚ፡ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐርበሎም ዘሎ ሕቶ ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳን ሕቶ ሓዲሽ ልቓሕን ጸማም እዝኒ'ዮም ሂበሞ ዘለዉ።
ቻይና ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዝበዝሐ ገንዘብ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለቀሐት ሃገር እያ።
ጎኒ ጎኒ እቲ ልቃሕ እውን ኣብዛ ኣህጉር ዓበይቲ ትሕተ ቅርጽታት ብምምዋል'ውን ኣብ ቅድሚት እያ ትስራዕ።
ብ13 ሚያዝያ 2020 ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ 25 ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ዝነበረን ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፡ ዝኸፍላሉ እዋን ብምንዋሕ 'ሩፍታ' ፈጢሩለን፡ ካብዚአን እተን 19 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እየን።
ቻይና ግን ነቲ ዕድል ናይ ዕዳ ከተጽንዖ ከምዘድልያ እያ መልሲ ሂባትሉ።
ኣቐድም ኣቢሉ'ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና "ምንጪ ኣፍሪቃ ትዕድየሉ ዘላ ምኽንያት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ኮይኑ ካብ ሃገር ናብ ዝፈላለ'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ማቫሪክ፡ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ 145 ቢልዮን ከምትእውደን ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ዝሓተኣ ዘለዋ ሓገዝ፡ ቻይና እትህቦ ግብረ መልሲ ኣብ መጻኢ ርክባት ቻይናን ኣፍሪቃን ዓቢ ተራ ከምዝህልዎ'ያ ኣብ ጽሑፋ ኣስፊራ ዘላ።
ሓደ ክስሓት ዘይክእል ከኣ ስግኣት ኮቪድ-19 ምስ ኣብቀዐ ሃገራት ቁጠባዊ ብድሆ ኣብ ቅድሚአን ተኾዲሙ ከምዝጸንሐን ፍሉጥ'ዩ፡ እቲ መድረኽ እቲ ኸኣ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ክፍትኖ'ዩ።