እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዕድመ ዝነኣሰት ቢልዮነር፡ ካብ እንዳ ካርዳሽያን
መጸሄት ፎርብስ፡ ካይሊ ጀነር እታ ብዕደመ ዝነኣሰት ቢልዮነር ኮይና ኣላ።
እታ ካብ ቤተሰብ ካርዳሽያን ብዕድመ ዝነኣሰት ጓል 21 ዓመት ካይሊ፡ ሃፍቲ ክተፍሪ ዝኻኣለት ብሽም ካይሊ ኮስሞቲክስ ብዝፍለጥ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝመስረተቶ ንግዳዊ ትካል እዩ።
እዚ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 360 ሚልዮን መሸጣ ዘካየደ እንትኾን፡ ካይሊ ድማ ቅድም ክብል ብመስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ዝነኣሰ ዕድመ ቢልየነር፡ ኣብ 21 ዕድሚኣ ክትበጽሖ ክኢላ እያ።
ማርክ ዙከርበርግ ኣብ 23 ዓመቱ እዩ፡ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ቢልየነር ዝነበረ።
''ኣነ ኣይተጸበኹዎን ነይረ። መጻኢየይ ኣይገመትኩዎን፤ እቲ ተፈላጥነት ግን ደስ ይብል። ጽቡቕ መበረታትዒ እዩ'' ክትብል ንመጽሄት ፎርብስ ገሊጻ።
ከም ዝርዝር ፎርብስ ሕዚ'ውን መስራቲ ኣማዞን ዝኾነ ጂፍ ቢዞስ፡ እቲ ቀዳማይ ሃብታም ዓለምና እዩ።
ጠቕላላ ሃብቱ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብ 19 ቢልዮን ወሲኹ፡ 131 ቢልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ።
ኮይኑ ግና ጠቕላላ መጠን ሃብቲ ቢልየነራት ዓለምና 9.1 ትሪልዮን ናብ 8̌.7 ትሪልዮን ወሪዱ ኣሎ።
ማርክ ዙከርበርግ ካብቶም ሃብቶም እናቐነሰ ዝኸይድ ዘሎ እዩ።
ናይ ሰባት ምስጢር ምስ ምብርባር ተተሓሒዙ፡ ክሲ ቀሪቡሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዋጋ ኣክስዮናቱ ብሲሶ ወሪዱ ነይሩ እዩ።
በኻሊእ ገጽ መሸጢ ዋጋ ኣክሰዮናት ኣማዞን ጽቡቕ ምዃኑ ስዒቡ ሃፍቲ ጂፍ ቢዞስ ዝወሰኽ እንተግኾን፡ ምስ ካልኣይ ሃፍታም ዓለምና ቢል ጌትስ ዝነበሮም ፍልልይ ከሰፍሕ ክኢሉ እዩ፡ ዋላኳ መጠን ሃበቲ ቢል ጌትስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ 90 ቢለዮን ዶላር ናብ 96.5 ቢልዮን እንተዓበየ።
ኣብ ዝርዝር ፎርብስ ካብ ዝተቐመጡ ቢልየነራት እተን 252 ጥራሕ ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና፡ ካብ ዝተሓተ ሃብቲ ናብ ቢልየነርነት ካብ ዝበቕዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ቻይናዊት ዉ ያጁን ብ 9.4 ቢልዮን ዶላር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ።
ቁጽሪ ካብ ዝተሓተ መጠን ሃብቲ ናብ ቢልየነርነት ዝበቐዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ በዝሒ 56 ሎሚ ዓመት 72 በጺሑ እዩ።
መጽሄት ፎርብስ ኣብ መጋቢት 8/2019 ዝነበረ ዋጋ ኣክስዮናትን ሸርፍን ተጠቒሙ መጠን ሃብቲ ዘስልሕ እንትኾን፡ በዝሒ ቢልየነራት ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበሮ 2,208 ኣብዚ ዓመት ናብ 2,153 ጎዲሉ እዩ።
16.9 ቢልዮን ዶላር ዘመዝገቡ ኣሓት ስሪቻንድን ጎፒቻንድን፡ ዝርከቡዎም 52 እንግሊዛውያን ኣብቲ ዝርዝር ፎርብስ ተኻቲቶም እዮም።
ኣብዚ ዝርዝር ንፈለማ እዋን ካብ ዝተኻተቱ ድማ፡ ዝለዓለ ደሞዝ ካብ ዝኽፈላ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ዝኾነት ሳፍራ ካትዝ እያ።
ኣመሪካ 607 ቢለዮነራት ብምሓዝ ቀዳመይቲ እንተኸውን፡ 324 ቢልየነራት ዘለዉዋ ቻይና ካልአይቲ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝርዝር ፎርብስ ካብ ዝነበሩ ቢልየነራት፡ ፋሽን ዲዛይነራት ዶሚኒኮ ዶልስን ስቲፋኖ ጋባናን ዝርከቡዎም 247 ሃፋትም ሎሚ ዓመት ኣይተኻተቱን።