እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፒራሚዳት ግብጺ መን ሃኒጽዎም?' ብዝብል ኣመሪካዊ ቢልዮነርን ግብጻውያንን ተሟጊቶም
ግብጺ ንኣመሪካዊ ቢልዮነር ኤሎን መስክ፡ ናብ'ታ ሃገር መጺኡ እቶም ፒራሚዳት 'ብኢድ ግብጻውያን' ዝተሃነጹ ምዃኖም ባዕሉ ከረጋግጽ ዕድመ ኣቕሪባትሉ።
እቲ ኣብ ቴክኖሎጅን ሳይንሳዊ ምርምራትን ዝነጥፍን ወናኒ ኩባንያ ስፔስ-ኤክስ ዝኾነን ፍሉጥ ኣመሪካዊ ቢልዮነር ኤሎን መስክ፡ ነቶም ጥንታውያን ፒራሚዳት ግብጺ 'ሰባት ኣይኮኑን ሃኒጾምዎም' ዝብል ዓይነት መልእኽቲ ዘሕልፍ ጽሑፍ ዘርጊሑ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቲ ናቱ ጽሑፍ 'ነቶም ፒራሚዳት ግብጻውያን ዘይኮኑስ፡ ጓኖት (ባሮት) እዮም ሃኒጾምዎ' ዝብል መልእኽቲ ዘሕልፍ ምዃኑ ብምግላጽ ዝተቓዎምዎ'ውን ኣለዉ።
ሚኒስተር ዓለምለኻዊ ምትሕብባራት ግብጺ ድማ ብሓሳብ እቲ ቢልዮነር ኣይተሰማመዐትን።
በዚ ምኽንያት፡ 'ናብ ግብጺ መጺእኻ ባዕልኻ ኣረጋግጽ' ክትብል መሊሳትሉ።
መቓብር ናይቶም ነቶም ፒራሚዳት ዝሃነጹ ሰባት ምርኣይ እኹል መርትዖ እዩ ድማ ኢላ።
ሰብሞያ ከምዝብልዎ፤ እቶም ኣብ 1990ታት ዝተረኸቡ መቓብራት፡ እቶም ዘደንቑ ፒራሚዳት ብጥንታውያን ግብጻውያን ከም ዝተሃነጹ ዘረጋግጹ እዮም።
እቲ ኣመሪካዊ ቢልዮነር ብዓርቢ'ዩ "ንፒራሚዳት ግብጺ 'ኤልየንስ' ከምዝሃነጽዎ ግልጺ እዩ" ዝብል ጽሑፍ ኣብ ትዊተር ጠቂዑ።
ነዚ ጽሑፍ ድማ፡ ካልኦት 84 ሽሕ ተጠቀምቲ ትዊተር ተቐባቢሎምዎ።
ሚኒስተር ዓለምለኻዊ ምትሕብባራት ግብጺ ራንያ ኣል-ማሻት ድማ፡ ነቲ ቢልዮነር ከምእትንእዶን ንስራሕቱ ከም እትከታተልን ድሕሪ ምግላጽ መልሲ ሂባቶ።
እቶም ፒራሚዳት፡ ንፎርኦናት ግብጺ ዝተሃነጹ ምዃኖም መርትዖታት ከም ዘለዉን፡ ኤሎን መስክ ነዞም መረዳእታታት ከጽነዖምን ሓቢራቶ።
ፍሉጥ ግብጻዊ ተመራማሪ ስነጥንቲ ዛሂ ሃዋስ'ውን ነቲ ናይ ኤለን መስክ ስነ-ሞጎት "ሃተፍተፍ" ክብል ገሊጽዎ።
"መቓብር ናይቶም ነቶም ፒራሚዳት ዝሃነጹ ሰባት ኣነ እየ ረኺበዮ፡ እቶም መቓብራት ዘዘንትዉልና ድማ እቶም ፒራሚዳት ብግብጻውያን እምበር ብባሮት ከምዘይተሃነጹ እዩ" ኢሉ።