ኣሌክሲ ናቫልኒ: ተኣሲሩ ዝርከብ ነቓፋይ ፑቲን ኢዱን እግሩ ይድንዝዝ ኣሎ

ኩነታት ጥዕና እቲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝርከብ ነቓፋይ ክሬምሊን፡ እናኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎን ኣብ ኢዱን እግሩን ምድንዛዝ ከምዝጀመረን ተገሊፁ።

ጠበቕኡ ቫድሚን ኮብዘቭ፡ እቲ ምጥፍፋእ ፈፂሙ ብዝብል ብመንግስቲ ሩስያ ኣብ ማሕዩር ተዳጒኑ ዝርከብ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ኣብ ዓንዲ ሑቕኡ ክልተ ጭዋዳታት ምብታኹ፡ ብምርመራ ከምዝተረጋገፀ ሓቢሩ።

ናቫልኒ፡ ነቲ ኣብ ሕቑኡን እግሩን ዝስመዖ ከቢድ ቃንዛ ግቡእ ሕክምና ክረክብ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ጀሚሩ እዩ።

ዋይትሃውስ፡ ኩነታት ጥዕና ናቫልኒ ይጋደድ ኣሎ ዝብሉ ፀብፃባት ከምዘሻቐሎ ገሊፁ ኣሎ።

ትማሊ ረቡዕ ንናቫልኒ ናብ ቤት-ማእሰርቲ ከይዱ ዝረኣዮ ቫድሚን ኮብዘቭ፡ “ኣሌክሲ ብእግሩ ይንቀሳቐስ እዩ። ክወሳወስ ከሎ ቃንዛ ይስመዖ። እቲ ሕማም ብግልፂ ይገድድ እዩ ዘሎ፤ ኢዱ፣ እግሩ፣ ፀፍሒ ኢዱን ጉምቦ ኢዱን ይድንዝዝ (ስምዒት ኣልቦ ይኸውን) ኣሎ። ብጣዕሚ ዘሻቕል እዩ” ኢሉ።

ወዲ 44 ዓመት ናቫልኒ፡ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ምልክታት ፀገም ምትንፋስ ኣጋጢምዎ ኣብቲ ቤት-ማእሰቲ ናብ ዝርከብ ሕክምና ዝተወሰደ እንትኾን፡ ዘየቋርፅ ሰዓልን ዋዕን ከምዘለዎ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 39 ሴልሺየስ ዝነበረ መጠን ዋዒ ሰብነቱ፡ ትማሊ ረቡዕ ናብ 37 ሴልሺየስ ከምዝወረደን፡ ናቫልኒ ኣድማ ምሕሳብ ምግቢ ኣብ ዝገበረሉ ግዘ፡ ክብደት ሰብነቱ ብሓደ ኪሎ ከምዝነከየን፡ ጠበቕኡ ገሊፁ።

ሰብመዚ እቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኣብ ጥቕኡ ደርሆ ብምጥባስን ኣብ ጅቡኡ ከረሜላ ብምቕማጥን፡ ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ንምድኻም ከምዝፈተኑ፡ ኣሌክሲ ናቫልኒ ገሊፁ።

ወሃቢትቃል ዋይትሃውስ ጄን ፕሳኪ፡ ማእሰርቲ ናቫልኒ “ፖለቲካዊ እዩ፡ እዚ ተቐባልነት ስለዘይብሉ ብህፁፅ ክፍታሕ” ምምሕዳር ባይደን ይፅውዕ ኢላ።

ቅድም ክብል፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል፡ ናቫልኒ ምስ ስቅያት ኣብ ዝዳረግ ኩነታት ከምዝተዳጎነን፡ እዚ ድማ ቀስ ብቐስ ክቐትሎ ከምዝኽእልን ገሊፆም እዮም።

ጎስጎስቲ’ውን፡ እቲ ኣሌክሲ ናቫልኒ ተኣሲርሉ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ፡ መሪር ስቓይ ዝፍፀመሉ ቦታ እዩ ይብሉ።

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይበፅሕዎ ዝነበሩ ጠበቓታት ብወገኖም፡ ኣብቲ ቦታ ዶካትር ከምዘየለዉን፡ እቲ ዘሎ ሕክምና ብሓደ ተሓጋጋዚ ሓኪም ጥራሕ ከምዝሳለጥን ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣገልግሎት ቤት-ማእሰርቲ ሩስያ፡ ነቲ ግቡእ ሕክምና ኣይረኸብኩን ዝብል ብኣሌክሲ ናቫልኒ ዝቐረበ ክሲ፡ “ኩሉ ዓይነት ሕክምናዊ ሓገዝ ይረክብ ኔሩ እዩ” ብምባል ነፂግዎ።

ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ጀርመን ተሓኪሙ ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ በቲ ኣብ 2014 ተኺሲሱሉ ዝነበረ ገበን ምጥፍፋእ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ክእሰር ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝወሰነ ይዝከር።