ናይክ ንጣብ ደም ሰብ ዝዓረፎ “ናይ ሰይጣን ጫማ” ኣብ ልዕሊ ዝሰርሐ ትካል ዝመስረቶ ክሲ ተዓዊትሉ

ናይክ ንጣብ ደም ሰብ ዝዓረፎ "ናይ ሰይጣን ጫማ"

ምንጪ ስእሊ, MSCHF

ኩባንያ ናይክ፡ ንጣብ ደም ንዝዓረፎ ‘‘ናይ ሰይጣን ጫማ’’ ብዝብል ሽም ኣካትዓይ ጫማ ናብ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዘቕረበ ኤምኤስሲኤችኤፍ (MSCHF) ዝተባህለ ስራሓት ስነ ጥበብ ዝእክብ ትካል ዝኸፈቶ ክሲ ስዒሩ።

እቲ ትካል ብ 1018 ዶላር ምስ ራፐር ሊል ናስ ኤክስ ናብ ዕዳጋ ዘቕረቦ ምስ ናይክ ኤይር ማክስ ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ጫማ ኤምኤስሲኤችኤፍ 666፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ እዩ ተሸይጡ ተወዲኡ።

እቲ “ናይ ሰይጣን” ጫማ፡ ዝተገልበጠ መስቀል፣ ሓሙሽተ ጫፍ ዘለዎ ኮኸብ፣ ሉቃስ ወንጌል ምዕራፍ 10 ጥቕሲ 18 ዝብል ዝተፅሓፎ እዩ።

666 ጫማታት ጥራሕ ዘፍረየ ኤምኤስሲኤችኤፍ፡ ነቶም ዝተወሰኑ ጫማታት ንዝዓደጉ ሰባት ልኢኹ እዩ።

ኩባንያ ናይክ ድማ፡ ኣብ ልዕለይ ናይ ኣርማ ስርቂ ተፈፂሙ ብምባል፡ ኤምኤስሲኤችኤፍ ነቶም ጫማታት ናብ ዕዳጋ ከየቕርብ ክእገድ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ክሲ ምምስራቱ ይፍለጥ።

የሰው ደም ጠብታ ያረፈበት "የሴጣን ጫማ"

ምንጪ ስእሊ, MSCHF

ናይክ፡ “እቲ ፍቓድ ዘይረኸበ ናይ ኤምኤስሲኤችኤፍ ‘ናይ ሰይጣን ጫማ’ ኣብ ሞንጎ ናይክን እቲ ናይ ሰይጣን ጫማን ርክብ ከምዘሎ ብምምሳል፡ ኣብ ዓማዊልና ምድንጋር ይፈጥር እዩ” ብምባል እዩ ከሲሱ ኔሩ።

ጠበቓታት ኤምኤስሲኤችኤፍ ብወገኖም፡ ጫማታት 666 “ንስኒከር ናይክ ክመስሉ ጌሮም ዝተሰርሑ ኣይኮኑን፤ የግዳስ ሕድሕዶም ዓሻራ ጥበብ ዝተነበረሎምን ን ሓደ ጫማ ብ 1018 ዳላር ዝሽየጡን እዮም” ብምባል ተኻቲዖም።

ነቲ ክሲ ዝሰምዐ ዳኛ ፌደራል ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኤምኤስሲኤችኤፍ እገዳ ኣንቢሩ ኣሎ።

ዋላ’ኳ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ኤምኤስሲኤችኤፍ ዘሕድሮ ፅልዋ ግልፂ እንተዘይኮነ፡ ተወሰኽቲ ጫማታት ንምፍራይ ድሌት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤምኤስሲኤችኤፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ዕዳጋ ዘቕረቦ ቀይሕን ፀሊምን ዝሕብሩ ጫማ፡ ዓርቢ ምስዝወፀ ናይ ራፐር ሊል ናስ ኤክስ ‘‘ኮል ሚ ባይ ዩር ኔም’’ ዝብል ደርፊ ተገጣጢሙ እዩ፡፡

ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ቪድዮ፡ እቲ ራፐር ነቲ ጫማ ገይሩ ካብ መንግስተ ሰማያት ናብ ሲኦል ሸተት ኢሉ ክወርድን ምስ ሰይጣን ክስዕስዕን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ሰይጣን ቀቲሉ ነቲ ዘውዲ ክምንጥልን ይረአ፡፡

ኣብቲ ቪድዮ ዝቐረበ ምስልን፡ ኣብቲ ጫማ ዝተፃሕፈ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 10 ቁፅሪ 18 ‘‘ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወርድ ረኣኽዎ ’’ ዝብል ጥቕሲ ዘመልክት እዩ፡፡

እቲ ጫማ ናይ ናይክ ሶል ዘለዎ ኮይኑ፡ 60 ክዩቢክ ሴንቲሜትር ቀይሕ ቀለምን፡ ካብ ኣባላት እቲ ስራሓት ስነ ጥበብ ዝእክብ ትካል ዝተለገሰ ንጣባት ደምን ኣለዎ፡፡

ኣፍራዪ ጫማ ናይክ፡ ነቲ ምስ ናቱ ምህርቲ ተመሳሲሉ ዝተሰርሐ ‘‘ናይ ሰይጣን ጫማ’’ ክፈርይ ኣየፍቅድን ክብል እዩ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከሲሱ።

ኣብ ቴናሲ ዝነባርነቱ ጆሴፍ ራሽ፡ ነቲ ጫማ ንምዕዳግ 1,080 ዳላር ከምዝኸፈለን፡ ገንዘቡ ኸሲሩ ከይተርፍ ከምዝሰግአን ተዛሪቡ።

ጆሴፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ስለዝኸፈልኩ እቲ ጫማ ክበፅሐኒ’ዩ ኢለ እየ ዝትስፎ” ብምባል፡ እቲ ጫማ ንክገብሮ ዘይኮነስ ዘለዎ ዝንባለ ንምግላፅ ከምዝዓደጎ ሓቢሩ።

ካልእ ነዚ “ናይ ሰይጣን ጫማ” ዝዓደገ ማኬንዚ ኖሪስ ብወገኑ፡ ስራሓት ስነ ጥበብ ኤምኤስሲኤችኤፍ ንነዊሕ ግዘ ከምዝከታተል ብምሕባር፡ ክሲ ኩባንያ ናይክ ግና፡ ነቲ ጫማ ዓዲጉ ኣትሪፉ ብ 2500 ዳላር ንምሻጥ ዝነበሮ ትልሚ ከምዘበላሸወሉ ተዛሪቡ።