ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዲፕሎማስያዊ ሕልኽላኽ ዝፈጠረ መግለጺ ብዓልስልጣን ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Embassy Addis Ababa/facebook
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ነቲ ብኣፈኛ ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ሚኒስትሪ ብዛዕባ ናጽነት ኤርትራ ዝተዋህበ መግለጺ ኣመልኪቱ "ብወግዒ ይቕሬታ" ከምዝሓተተ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ብሰሉስ፡ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለይሉ መዓልቲ ናጽነቶም ከምዘየኽብርዎን ከምዘይፈትውዎን ተዛሪቡ ነይሩ።
ብድሕሪኡ ንቢቢሲን ንመንግታዊ መደበር ተለቪዥን ሃገሩን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቖጠዐ መግለጺኡ 'ተጠምዚዙ'ዩ ቀሪቡ' ብምባል፡ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዓቢ ክብረት ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።
እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቶ ሃብቶም ዘርኣይ ድሕሪ ምርኻቡ፡ እቲ በቲ ኣፈኛ ፈለማ ዝተዋህበ መግለጺ "'ዘይእሩምን ተቐባልነት ዘይብሉን'" ክብል ከምዝገለጾ እቲ ኤምባሲ ጠቒሱ።
እቲ ኤርትራዊ ዲፕሎማት "መልእኽቲ መንግስቲ ኤርትራ" ብወግዒ ናብቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምዘብጸሐ'ውን መግለጺ ኤምባሲ ኤርትራ ሓቢሩ።
ብወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ናይ ይቕሬታ መግለጺ ብወግዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ኣምበሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ'ዩ ኢሉነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, MFA Ethiopia/twitter
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቱ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ "ዝተፈለይሉ መዓልቲ ኣየኽብርዎን'ዮም፡ ኣይፈትውዎን'ዮም" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
"ሰብ ኣይሓትትን እዩ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ እንተዝሕተት ኣብዚ እዋን ካብ ኢትዮጵያውያን ዝተፈለዩሉ መዓልቲ ኣየኽብርዎን እዮም፡ ኣይፈትውዎን እዮም።
"ኣብ ደገ ዘለው ይዛረቡ እዮም። ብወገን ኢትዮጵያውያን'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዘሎ። ምስ ኤርትራ ኣይኮነን ምስ ዝተረፋ ጎረባብቲ ሃገራት'ውን ሓደ እንተንኸውን ጽቡቕ እዩ። ምስ ኤርትራ ዝነበረና ርክብ እኳ ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር እኳ እዩ" ክብል ምዝራቡ ኣብ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ኣሎ።
ዲፕሎማሰኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ መግለጺ ከምዝተቖጥዑን፡ እቲ ኣፈኛን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብወግዒ ይቕሬታ ክሓቱን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክጽሕፉ ቀንዮም ነይሮም።
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ'ውን፡ ነቶም ዝተቖጥዑ ኤርትራውያን ብምድጋፍ፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብድምቀት ከምዝብዓል ብምምስካር "ርሑስ ልደት ኤርትራ" ክብል ነቲ ኣብ ዝመጽእ 24 ዝጽንበል መበል 30 ዓመት ናጽነት ዘለዎ ሰናይት ትምኒት ገሊጹ።
እቲ ኣፈኛ፡ ኣሉታዊ ግብረመልሲ ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ንኤርትራውያን፣ ንናጽነት ኤርትራን ኤርትራ ከም ሃገርን ዓብዪ ክብሪ ኣለኒ፡፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ካብቲ ዝተብሃለሉ ዓንኬል ወጻኢ ወሲዶም ስምዒታዊ ይገብሩዎ እዮም" ክብል ተዛሪቡ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ መብርሂኡ ምሉእ ይቕሬታ ብዘይምሕታቱ መሊሶም ዝተቖጥዑ'ውን ኣይወሓዱን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







