እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ ሓደ ሰብ በይኑ ኩባንያ ክምስርት ዘፍቅድ ሕጊ ኣውጺኣ
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ናይ 16 መጋቢት 2013 ዓ/ም ኣኼብኡ፡ ንዝሓለፉ 62 ዓመታት ከገልግል ዝጸንሐ ሕጊ ንግዲ እታ ሃገር ብሓድሽ ክትካእ ወሲኑ ኣሎ፡፡
እቲ ሓድሽ ሕጊ ምስቲ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ብዙሕ ለውጢታት ከምዝተገበረሉ እዩ ዝንገር፡፡ ንምድላዉ ብዙሕ ግዘ ዝወሰደን ብዙሓት ሰብሞያ ዝተሳተፉሉ እውን እዩ፡፡
ኣብ ምርቃቕ እቲ ሕጊ ዝተሳተፈ ላዕዋይ ኣማኻሪ ሕጊ ታደሰ ሌንጮ (ዶ/ር)፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ንናይ ኢትዮጵያ ንግዳዊ ምንቅስቓስ ብኣወንታ ከምዝጸልዎ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ተዛሪቡ፡፡
እቲ በዓል ሞያ ኣድላይነት እቲ ሓድሽ ሕጊ ከረድእ ከሎ፡ እቲ ን 62 ዓመታት ዘገልገለ ናይ ንግዲ ሕጊ ምስቲ ኣብዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ከምዘይኸይድ ይገልጽ፡፡
‘‘እቲ ሕጊ ኣብ ዝወጸሉ ናይ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ ወፍሪ፣ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ዓውዲ፡ እታ ኣብ 1952 ዝነበረት ኢትዮጵያን ኣብ 2013 ዘላን ዝተፈላለያ እየን’’ ዝብል ታደሰ ሌንጮ (ዶ/ር)፡ እዚ ድማ ኣብ ዝርዝር ንንግዲ ዝሰማማዓ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ኣብ ታሕቲ ክትቅመጥ ገይሩዋ ይብል፡፡
ከም ውጽኢቱ ድማ ነታ ሃገር ዋጋ ኣኽፊልዋ እዩ፡ ይብል ታደሰ (ዶ/ር) ፡፡
‘‘ ኣውፈርቲ እዚ ሃገር ንንግዲ ምቹው ድዩ? ዝብል ስለዝርእዩ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ይብል ይቕንስ ማለት እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘሎ ካፒታል ናይ ምስሓብ ዓቕማ አዐርዩ ኣንኢስዎ እዩ’’ ዝብል እቲ በዓል ሞያ፡ እዚ ድማ ናይ ስራሕ ፈጠራ፣ ንግዲ ወጻእን ቁጠባዊ ዕብየትን ዝዓግት እዩ ይብል፡፡
ነቲ ብ1952 ዝወጸ ሕጊ ንግዲ ንምቕያር ካብ ቅድሚ 30 ዓመት ጀሚሩ ጻዕሪ እናተገበረ ጸኒሑ እዩ፡፡ እቲ 825 ዓንቀጻት ዝሓዘ ሓድሽ ኣዋጅ ብዙሕ ምምሕያሽ ዝተገበሮ እዩ፡፡ ገለ ካብቶም ዝተገበሩ ምምሕያሻት ዝስዕቡ ይርከቡዎም፡፡
ሓደ ውልቀ ሰብ በይኑ ኩባንያ ክኸፍት ይኽእል እዩ
በቲ ዝጸንሐ ሕጊ ንግዲ፡ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ናይ ውልቀ ትካል ንምጥያሽ ብውሑድ ክልተ ሰብ የድሊ ነይሩ፡፡
‘‘ንኣብነት ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ወፍሪ ክገብሩ ሓደ ተወሳኺ ሰብ ከምጽኡ ኣለዎም ማለት እዩ፡፡ እዚ ብዙሕ ወጻኢ ከውጽኡ ዝገብር እዩ፡፡ ዓብዪ ጥርጣረ እውን ዝፈጥር እዩ’’ ዝብል እቲ በዓል ሞያ፡ ካብቶም መስረትቲ ሓደ ምቕያር እንተደልዩ ወይ እንተሞይቱ፡ ንምቕያር ዘሎ ከይዲ ‘‘መከራ’’ እዩ ይብል፡፡
በዚ ምኽንያት፡ ቀጻልነት እቲ ኩባያ ኣብ ሕቶ ዝኣቱን ንዘየድሊ ወጻኢ ዘሳጥሕን እዩ ክብል ይውስኽ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዙሓት ሐላፍነቶም ዝተወሰነ ናይ ውልቀ ኩባንያታት፡ ብተግባር ናይ ሓደ ሰብ ከምዝኾኑን ነቲ ሕጊ ተባሂሉ ካልኣይ ሰብ ከምዝወሰኹን ዝገልጽ ታደሰ ሌንጮ (ዶ/ር)፡ እቲ ሕጊ ምቕያሩ ሰባት ብቐሊሉ ናብ ስራሕ ክኣትዉን፡ ዋንነት ብዝምልከት ስግኣት ከይህልዎም ከምዝሕግዞምን ዝገብር ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡
ምልዋጥ ትርጉም ንግዲ
ኣብቲ ነባር ሕጊ ንግዲ ዝተኻተቱ ዓይነታት ንግዲ 21 ጥራሕ እዮም፡፡ ካብዚኦም ወጻኢ ዘለዉ ንግዲ ኣይኮኑን ተባሂሎም ከምዝግመቱ እቲ በዓል ሞያ የረድእ፡፡
እቲ ሓድሽ ሕጊ ግና ዓይነታት ንግዲ ናብ 38 ኣዕብዩዎም ኣሎ፡፡
"ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ በቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ትርጉም ንግዲ ክፉት እዩ፡፡ ብግልጺ ክሳብ ዘይተኸልከለ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ጸሓይ ንታሕቲ ኣብ ዘሎ ስራሕ እንተወፊሩ ንግዲ እዩ፤ ትርፊ ይረኽበሉ እየ ኢሉ ዝሓዞ ስራሕ ኣመዝጊቡ ክቕጽል ይኽእል እዩ’’ ኢሉ፡፡
እዚ ድማ ሓደሽቲ ዓይነታት ንግድን ናይ ፈጠራ ሓሳባትን ዘበረታትዕ ከምዝኾነ እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ፡፡
ንሓላፍነቶም ዝተወሰኑ ናይ ሙያ ሽርክና ማሕበራት ፍቓድ ምሃብ
ካብቲ ነባር ብዝተፈለየ መልክዑ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ ውልቀ ሰባት ብሞየኦም ተወዲቦም ክሰርሑ ዘፍቅድ እዩ፡፡
እዚ ኣብ ካልእ ዓለም ብሰፊሑ ዝስረሐሉ ሕጊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብግልጺ ስለዘይተቐመጠ ነቲ ዓውዲ ኣዳኺምዎ ጸኒሑ እዩ፡፡
ብተመሳሳሊ፡ እቲ ናይ ቀደም ሕጊ፡ ኣባላት ዳይሬክተራት ቦርድ ኩሎም ኣብቲ ትካል ብጽሒት ዘለዎም ክኾኑ ዘገድድ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሓድሽ ሕጊ ግና ብጽሒት ዘይብሎም ሰባት ብሞያኦም ክሳብ ሓደ ስድሲት(1/6) ዝኸውን ኣባልነት ቦርድ ዳይሬክተራት ክሕዙ ይኽእሉ እዮም፡፡
ብተወሳኺ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ምኽንያታዊ ብዝኾነ ኩነታት ዝኸስሩ ነጋዶ፡ ነጻ ዝወጽሉ መገዲ ከምዘመቻቸወ እቲ በዓል ሞያ ገሊጹ፡፡
ነዞም ዝተጠቐሱ ለውጢታት ሓዊሱ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ንግዲ ምቹዋት ዘይኮኑ ሕጊታት ዘዐረየ ሓድሽ ኣዋጅ ንግዲ ምውጽኡ ‘‘ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ምቅስቓስ ንግዲ አዐርዩ ክዓቢ ዝገብር እዩ’’ ዝብል ታደሰ ሌንጮ (ዶ/ር) እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ነቲ ነባር ተኪኡ ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር ኢሉ፡፡