ኲናት፡'ባባ፡ ኣማኢት ሰባት’ዶ ቐቲልካ ኢኻ?

ብዙሓት፡ "ባባ ናይ ብሓቂ ኣማኢት ሰባት ቀቲልካ ዲኻ?" ኢሎም ንስድርኦም ክሓቱ ኣይምደፍሩን።

ብሱሩ'ውን ንወላዲኻ ቀታሊ ሰብ ዲኻ ኢልካ ምሕታት ነውራም ከብል ይኽእል'ዩ።

ጽሕፉትኦም እዚኣ ዝኾነት ቆልዑ ስለ ዘለው ግን፡ ፈጺሞም ነዛ ሕቶ ካብ ምልዓል ኣይተቖጠቡን።

ሓደ እዋን ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣናሊያ ቴሌፎን ክድወለላ እንከሎ ምስ ስድርኣ ዘረሓሕቕ ኩነታት ዝፈጥር ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበራን።

ኣዲኣ'ያ ደዊላ።

"'ኣይትሰንብዲ፤ ግን ባባ ተኣሲሩ ኣሎ። ማእሰርቱ ፖለቲካዊ'ዩ' ክትብለኒ እንከላ፡ ክሳብ መወዳእታ ኣቦይ ምስ ውልቀ መላኺ ስርዓት ምትእስሳር ክህልዎ'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን" ትብል።

ኣቡኣ ኤድዋርዶ ኢሚሎ ካሊኔክ፡ ኣብ ትሕቲ'ቲ ንኣርጀንቲና ካብ 1976 ክሳብ 1983 ዝገዝአ ጨካን ወተሃደራዊ ጁንታ ኣዛዚ ፖሊስ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብታ ሃገር ካብ ዘጋጠመ ዝኸፍአ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ልዕሊ 180 ጉዳያት ጭውያ፣ ምስቓይን ቅትለትን፣ ኣብቲ ንሱ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ናይቲ ስርዓት ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ስለ ዝተፈጸመ እዩ ተኸሲሱ።

እቲ ንሸውዓተ ዓመት ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ ንዝዀነ ከም ስግኣት ዝርእዮ ተቓዋዊ፣ ኮሚኒስታውያን፣ ማሕበርነታውያን፣ መራሕቲ ማሕበራት፣ ተመሃሮን ስነ-ጥበበኛታትን ዝኣመሰሉ ሰባት ዒላማ ገይሩዎም።

ብመሰረት ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ክሳዕ 30,000 ዝዀኑ ሰባት ተጨውዮም ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኣሲሮም ጠፊኦም እዮም።

ኣናሊያ ግን፡ ክሳብ መበል 25 ዓመታ ዘኽበረትሉ 2005 (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ኣቡኣ እዚ ዝኣክል ሚስጢር ከም ዝሓብአ ኣይትፈልጥን።

ኣዲኣ ቴሌፎን እንተዘይትድውልከ?

ብዝኾነ፡ ካሊነክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ፈለማ ተስፋ እኳ እንተነበራ ግን ፈጺሙ ኣይተፈትሐን።

ኣብ 2010፡ ብዝፈጸሞ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ንሕልፈት ተፈሪዱ።

"ኣቦይ፡ ቀታሊ እዩ ኢልኪ'ዶ ትሓስቢ ኢኺ?" ኢሉ ሓቲቱኒ ትብል ኣናልያ።

"እንታይ ክብል ደኣ ተጸብዩኒ? ነቲ ፍቑር ኣቦይ ኣዝየ እየ ዝቐርቦ ነይረ። ግን ከኣ በቲ ዝተፈጸመ ደንጽዩኒ።"

ፓውላ (ሽማ ዝተቐየረ) እውን ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ኣቡኣ ተመሳሳሊ ዝተሓብአ ዛንታ ፈሊጣ።

ጓል 14 ዓመት እንከላ ፡ ንዓኣን ንሓዋን ናብ ሓደ እንዳ ሻሂ ወሲዱዎም።

ስቪል ክዳን ተኸዲኑ ብሕቡእ ከም ዝስሊ ከኣ ነጊሩዎም። ዳሕራይ ነቶም ተቓወምቲ ከም ዝስልዮምን በቲ ስርዓት ከም ዘትሕዞምን ተረዲኣ።

ፓውላ፡ "ኣቦይ፡ ኣብቲ ዝጸልኦ ምልካዊ ስርዓት ብምትሕብባሩ ይሓፍርን ኣብቲ ተግባር ከም ተሓባበርኩን ኰይኑ ይስመዓኒ" ትብል ።

"ሕጂ ግን ኣቦይ ከምኡ ከም ዝነበረ ፈሊጠ። ዝገብሮ እውን የብለይን። ነቲ ኽዕቅቦ ዘይደሊ ምስጢር ክሕዞ ኣይደልን'የ " ትብል ።

እዘን ኣዋልድ፡ ንታሪኽ ስድራ ቤተን ንክርድእኦ ዓመታት እዩ ወሲዱለን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ ካብ ምዕቃቡ ክዛረባሉ መሪጸን።

ኣካል እቶም ኣቦታቶም "ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸሙ ኣወዳትን ኣዋልድን" ዝብል ጉጅለ እየን።

መምህርን ክኢላ ስነ ልቦናን ኣናሊያ ካሊኔክ ኣብ 1980 እያ ተወሊዳ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ኣርጀንቲና ምስ ጸጋማውያን ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ተጸሚዱ ነይሩ።

ስለዚ ኣቡኣ ፖሊስ ኮይኑ ክሰርሕ እንከሎ ዝነበራ ዝኽርታት ድሕሪኡ ካብ ዘሎ ግዜ'ዩ ዝጅምር።

እዚ ማለት መግቢ እናሰርሐ፣ ደቁ ናብ ስፖርታዊ ክለባትን ምግፋፍ ዓሳን ክወስዶም'ያ ትዝክር።

ንሳን ካልኦት ሰለስተ ኣሕዋታን ንኣሽቱ ከለዋን ክምርዐዋ እንከለዋን ኣብ ፖለቲካ እዚ ዝብሃል ድልየት ኣይነበረንን።

ኣናሊያ፡ ኣዲኣ ቴሌፎን ምስ ደወለትላ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከይዳ ንኣቡኣ ሓቲታቶ'ያ።

"ክነዛርቦ እንከለና፡ 'ብዛዕባይ ዝብሉዎ ነገር ከይትኣምና፤ ኩሉ ሓሶት'ዩ' ኢሉና" ትብል።

ኣብ "ኲናት" ይቃለስ ስለ ዝነበረ ይቕሬታ ዝሓተሉ ነገር የለን ብምባል ሕጂ እቶም "ጸጋማውያን" ሕነ ይፈድዩ ብምህላዎም ይቕጻዕ ከም ዘሎ ይዛረብ ነይሩ። ግን እቲ ዝብሎ ዝነበረ ዋላ ሓደ ይተረድኣንን" ኢላ።

ኣናሊያ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ'ዩ ኢላ ስለ እትኣምን፡ ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣቡኣ ንምቕባል እናተጸገመት ኣሕሊፋቶ።

"ንስድራ እቶም መቕርባቶም ዝጠፍኡዎም ሰባት ደጊፈ'የ። ግን ድማ ኣቦይ ምስቲ ዝተፈጥረ ነገር ዘተኣሳስሮ የለን። ዝኾነ ጌጋ ኣሎ'ዩ እብል ነይረ። መስርሕ ፍርዲ ምስ ጀመረ ግን ኩሉ ነገር ከምቲ ኣቦይ ዝነግረና ዝነበረ ከም ዘይኮነ ክግንዘብ ጀሚረ" ትብል።

ወላዲ ኣናሊያ፡ ኣዝዮም ዘስካሕክሑ ገበናት ከም ዝፈጸመ ዝገልጽ በዓል 800 ገጽ ሰነድ መሰኻኽር ግዳያት ምስ ቀረበ "ብዛዕባ እቶም ናይ መሓዩር ማእከላት ከንብብ ጀሚረ፤ ንዑኡ ከም ካርታ እናርኣኹ ንኣቦይ ኣብቲ ቦታ ከእትዎ ኣዝየ ተጸጊመ" ብምባል ትገልጽ።

ካሊኔክ ናብቶም ዝሰርሓሎም ዝነበረ ኣብያተ ማእሰርቲ ክኸይድ እንከሎ 'ዶክተር ኬይ' ዝብል ሳጓ ይጥቀም ስለ ዝነበረ እቶም ግዳያት ብትኽክለኛ ሽሙ ኣይፈልጡዎን።

"ስለምንታይ'ዮም በዚ ሳጓ ዝጽውዑኻ ኢለ ክሓቶ እንከለኹ፡ ኩል ግዜ ትኽክለኛ ነገር ይሰርሕ ከም ዝነበረን በዓል ሞያ ሕጊ'የ ዝመስል። ንክኢላታት ሕጊ ድማ ዶኳትር ኢልና ኢና ንጽውዖም ኢሉኒ። ግን ድማ ኣብቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ዘማእኽል "ዶክተር" ስለ ዝነበረ'ውን ክኸውን ይኽእል ከምኡ ኢሎም ዝጽውዑዎ" ትብል።

ኣብ መወዳእታ ኣናሊያ ኣቡኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወ ሓቂ ሓቃ ነውግዕ ኢላቶ።

"ከምኡ ምስ በልኩዎ ምኽንያት ከተቕርበሉ ንዘይግባእ ነገር ምኽንያት ዘቕርብ ቁጡዕ ሰብኣይ ኮይኑኒ። ከምኡ ኮይኑ'ውን እቲ ዝፈርሖን ዝጥርጥሮን ዝነበርኩን ጉዳይ ኣረጋጊጹለይ። ኣካል እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዒ ከም ዝኾነ ነጊሩኒ" ብምባል ኣዝያ ከም ዝሰንበደት ትዛረብ።

እዚ፡ ምስ ኣቡኣ ጥቡቕ ዝምድና ፈጢራ ጥዑም ናይ ቁልዕነት ግዜ ንዘሕለፈት ኣናሊያ ቀሊል ኣይነበረን።

"ብሓደ ገጽ ኣቦይ ኣሎ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ኣሳቓዪ ክብል ጀሚረ። ጸኒሑ ግን ሓደ ዓይነት ሰብ ከም ዝኾነ ተረዲኡኒ"።

ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ ኤድዋርዶ ካሊኔክ ኣብቲ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለያ መሓዩራት ዝፍጸሙ ዝነበሩ ምስቅያት ተሳታፊ ከም ዝነበረ ምስክርነት ሂቦም።

ኤድዋርዶ (ዶክተር ኬይ) ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 20ታት ዝርከብ፣ ሓፊስ ፍምጺ ዘለዎ፣ ሓጺር፣ ህጡርን ቀጢን ጭሕሚ ዝነበሮን ሰብ'ዩ ኢሎም ኣለልዮምዎ።

"ኣዝዩ ዝፍራሕ"ን "ጨካን"ን እዩ ብምባል ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ቃሎም ዝሃቡ ውጻእ መዓት ይዛረቡ።

መብዛሕትኦም እሱራት ግን ክሳብ ሕጂ "ጠፊኦም" እዮም ተባሂሉ ስለ ዝውሰድ፡ ተቐቲሎም ከም ዝኾኑ እዩ ዝግለጽ።

ካልእ ኣና ማሪያ ዝተባህለት በዓልቲ ታሪኽ፡ ፖሊስ ክወስዱዋ እንከለው ጓል 16 ዓመትን ናይ ሰለስተ ወርሒ ነፍሰጾር ኣደን ነይራ።

"ዶክተር ኬይ" ኣብ ጥቓ ሽቓቕ ስለ ዝረኸባ ሃሪሙዋ፤ ጥንስቲ ምዃና ስለ ዘይነገረቶ'ውን ተቖጢዑ።

"ኣእጋርኪ ከፊተ እቲ ቖልዓ ክንጽለልኪ ዲኺ ደሊኽኒ?" ኢሉ ተቖጢዑ።

ኣብቲ እዋን ጓል 22 ዓመት ዝነበረት ዲላ ባሬራ'ውን፡ ገዛ ገዛ ብዝካየድ ዝነበረ ተፍትሽ ካብ ገዝኣ ተጨውያ ሽጉጥ ናብ ግምባራ ብዘነጻጸሩ ደቂ ተባዕትዮ እናተደፍአት ናብቲ ኤድዋርዶ ካሊኔክ ዝነበረሉ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ኤል ኣትሌቲኮ ተወሲዳ።

"ዓይነይ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ ድምጺ ይሰምዕ ነይረ። ጥራሕ ነብሰይ ኣውጺኦም ኣብ ሓደ ናይ ሓጺን ዓራት ኣሲሮምኒ። ድሕሪኡ ብኤሌክትሪክ ከሳቕዩኒ ጀሚሮም። ኣብ መደበር ፖሊስ ጣቢያ ቦንባ ኣቐሚጥኪ ኢሎም'ዮም ዝኸሱኒ ነይሮም፤ ዘይውዓልኩዎ። ሽም እቶም ዕጡቓት ሚሊሻታት'ውን ክነግሮም ይደልዩ ነይሮም" ብምባል እቲ ዝሓለፈቶ ትዝክር።

ኣብ መበል 92 ናይ ማእሰርቲ መዓልታት ድማ ንካሊኔክ ረኺባቶ፤ ሕጂ'ውን ዓይና ተሸፊኑ'ዩ ዘሎ።

መሰንገላ ከም ዝተሰብረ ስለ ዝነገራ "ዶክተር ኬይ" ናይ እማን ዶክተር'ዩ ዝብል ግምት ነይሩዋ።

"ከምኡ ኮይነ'ውን ፈጺመ ዝርስዖ ሰብ ስለ ዘይነበረ ዳኛ 'ካብዚኦም እቲ ተኸሳሲ ከተለልዪ ትኽእሊ'ዶ?' ኢሉ ምስ ሓተተኒ እንሀለ 'ዶክተር ኬይ' እየ ኢለዮም"።

ኤድዋርዶ ካሊኔክ ንክፍረድ ሓደ ዓመት'ዩ ወሲዱ።

ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወተሃደራትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ዝነበሩ ውልቀሰባት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሶም ከቢድ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም።

ካልኦት 370 ክስታት ድማ ሕጂ'ውን ኣብ መስርሕ ስርዓት ፍትሒ ኣርጀንቲና ኣለው።

እንተኾነ ኩሎም እቶም ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍትሒ ኣይቀረቡን።

መብዛሕትኦም እኹል መርትዖ ክቐርበሎም ስለ ዘይክኣለ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ኣይተረኸበን።

ኣናሊያ ኣቡኣ "ኣካል እቲ ስርዓት ከም ዝነበረ ነጊሩኒ'ዩ፤ በዚ ድማ ሕቡን ነይሩ፤ ከም ጅግና'ዩ ዝሓስብ ነይሩ" ብምባል ክሳብ እቶም ፈጺሙዎም ዝብሃል ገበናት እትፈልጥ በዓል ሞያ ሕጊ ከም ዝኾነ እያ ትፈልጥ ነይራ።

ልክዕ ከም ኣናሊያ፡ ፓውላ'ውን ኣቡኣ ብዛዕባ ዝቐረበሉ ክሲ ሓቲታቶ'ያ።

ንሱ ግን "ሽብርተኛታትን ኮሚንስትን" እዮም ነይሮም ብምባል ይምልሰላ።

ኣብ ኢዱ ክንደይ ዝኣክል ደም ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እትብል ፓውላ፡ "እቶም ገበናት ክፍጸሙ ግቡእ ከም ዝነበረ'ዩ ዝዛረብ። ንሱ ገበናት ዘይኮነ 'ተግባራት' ኢሉ'ዩ ዝገልጾም" ትብል።

ነቲ ሓቂ ምስ ፈለጠት ድሕሪ 10 ዓመት ኣዲኣ ሞይታ። ፓውላ'ውን ምስ ኣቡኣ ዝነበራ ርክብ በቲኻ።

ኣብ መወዳእታ 2019፡ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢሙዎ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ክንገራ እንከሎ ከይዳ ክትሓቶ ኣይደለየትን።

ምስ ሞተ'ውን ኣብ ስርዓት ቀብሪ ኣቡኣ ይተረኸበትን።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ኣናሊያ፣ ፓውላን ካልኦት ንግብሪ ወለዶም ዝኹንኑ ደቂ ወተሃደራትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ተራኺቦም።

ርክቦም ሃንደበታዊ ኣይነበረን።

እኳ ድኣ ኣብ 2017 ፕሬዝደንት ማእከላይ - የማናዊ- መንግስቲ ማውሪሲዮ ማርሲ: በዓል ኤድዋርዶ ካሊኔክ ዝርከቦም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ እሱራት ክፍትሑ ብዘሕለፎ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቖጢዖም'ዮም ተራኺቦም።

ፍርቂ ሚሊዮን ተቓወምቲ ኣብ ጎደናታት ኣርጀንቲና ብምውጻእ ነቲ ውሳነ ተተቓዊሞሞ።

"እቲ ስቕታ ክስበር ክዛረብ ኣለኒ ኢለ ወሲነ፤ 'ግልጺ ንኹን፤ ንድሕሪት እንምለሰሉ ምኽንያት የለን። ኣቦታትና ንዝፈጸሙዎ ገበን ዋጋ ክኸፍሉ ኣለዎም ኢለ" ትብል።

ስለዝኾነ ድማ፡ ብመልክዕ ማኒፌስቶ ኣዳልያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ዘርጊሓቶ። ተነቢቡ።

"ድሕሪኡ ክንራኸብ ጀሚርና፤ ብሓደ ኮይንና ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክንገብር ጀሚርና። መጀመርታ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኢና ነይርና። በይነይ ከም ዘይኮንኩን ካልኦት ከማይ ዝበሉ ከም ዘለውን ምስ ፈለጥኩ ደስ ኢሉኒ። ንሳቶም'ዮም ካብቲ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ክርድኡኒ ዝኽእሉ" ትብል።

ቅድሚ ምኽሪ ስነ ልቦና ካብ እትልግሰላ ብዓልቲ ሞያ ወጻኢ ንኻልኦት ብዛዕባ ኣቡኣ ክትዛረብ ከም ዘይትኽእል እትገልጽ ኣናሊያ፡ ድሕሪ 23 ዓመታት ነዚ ኩነታት ሰይራ ክትወጽእ ብምኽኣላ ከም እትሕበን ትዛረብ።

ብዛዕባ እቲ ወለድና ዝፈጸሙዎ ገበን ስቕ ኣይንብልን ንዛረብ ዝብል ጉጅለ 80 ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ፡ መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ'የን።

ሰሙናዊ ድማ ይራኸቡ። ብሓባር ይበልዑ፣ ብዛዕባ ፖለቲካ የውግዑ፣ ስምዒታቶም ብግልጺ ኣውጺኦም ይዘራረቡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ቀጻሊ መደባቶም ትልሚ የውጽኡ።

እዚኦም ወለዶም ብዛዕባ ዝፈጸሙዎ ገበን ከም ዘይዛረቡ ስለ ዝፈልጡ፡ መቕጽዒ ገበን ኣርጀንቲና ክመሓየሽን ደቆም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነት ክህቡን ይጠልቡ።

"ኣብ ውሽጢ ተባዕታዊ ኣተሓሳስባ ዝስዓሮ ሕብረተሰብ ኣንጻር ወላዲኻ ምዝራብ ዝኹነን ተግባር'ዩ። ኣቦኻ ደምካ'ዩ። ኣቦኻ ንሰባት ዘሳቒ፣ ዓማጺ ወይ ሰራቒ እንተኾይኑኸ? ስቕ ክትብል ኣለካ ማለት ድዩ" ብምባል ኣላኒያ ትሓትት።

ኣብ ውሽጢ እቶም ወለዶም ብዝፈጸሙዎ ገበን ተሓተትቲ ክኾኑ ዝጉስጉሱ ቆልዑት፡ "ደቆም ዝነበርና" ኢሎም ንርእሶም ዝጽውዑ'ውን ኣለው።

ፓውላ ወላዲኣ ብህይወት እናሃለወ "ንስኻ ካብ ሰባት ብዙሕ ነገር ወሲድኻ ኢኻ፤ ብሽምካ ክጽዋዕ ኣይደልን፤ ኣርኪስካዮ . . . ኣጸሊምኻዮ ኢኻ። ስለዚ ኣነ ከጽርዮ'የ" ኢላቶ'ያ።

"ሕጂ እውን እንተኰነ፡ ኣብ ኣርጀንቲናን መላእ ዓለምን ንዝርከቡ ምስ ገበነኛታት ርክብ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዝሃለው ይሃልው ብዘየገድስ ክዛረቡ ኣለዎም። ክሳብ መወዳእታ ከኣ ቃልሰይ ክቕጽል እየ"ትብል ።