ምዕጻው መትረብ ስዊዝ፡ ተሸኺላ ዝቐነየት መርከብ ብምውጽኣ መራኽብ ክሓልፋ ጀሚረን

ኣብ መትረብ ስዊዝ ተሸኺላ መገዲ ዓጽያ ዝቐነየት ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ ድሕሪ መዓልታት ዝወሰደ ፈተነታት ትማሊ ካብቲ መጻብቦ ከትወጽእ ኪኢላ'ላ።

እታ 'ኤቨርግሪን' ተባሂላ እትጽዋዕ፡ 400 ሜትሮ ዝቑመታን ልዕሊ 200 ሽሕ ቶን እትምዘንን መርከብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ነቲ ኣገዳሲ መትረብ ብምዕጻዋ፡ ብኣማኢት ዝቑጸራ መራኽብ ንግዲ ካብን ናብ ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ከይሰግራ ተዓጊተን ቀንየን።

እንተኾነ፡ እተን ተዓጊተን ዝቐነያ መራኽብ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ክሓልፋ ጀሚረን ከምዘለዋ ሰብመዚ ተዛሪቦም።

እቲ ኩነታት፡ ከቢድ ዓለምለኻዊ ቅልውላዉ ንግዲ ከየስዕብ ተሰጊኡ ቀንዩ ነይሩ። ምዕጻው ናይቲ መትረብ ኣብ ሰሙን ካብ 6 ክሳብ 10 ቢልዮን ክሳራ ክስዕብ ከምዝኽእል ተንተንቲ ንግዲ ዓለም የረድኡ።

ግብጺ ብወገና፡ 2% ኣታዊታታ ካብቲ መትረብ ከም እትረክብ ይንገር። ብሰንከ'ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ድማ ኣብ መዓልቲ ካብ 14 ክሳብ 15 ሚልዮን ዶላር ክሳራታት ከምዘኸተለ ግብጻዊ ብዓልስልጣን ናይቲ መትረብ ተዛሪቡ።

እታ መርከብ፡ ልዕሊ 18,000 ኮንቴነራት ጽዒና ምንባራን፡ ካብቲ ኣትያቶ ዝቐነየት ጸገም ንምልቓቓ ምርጋፍ ጽዕነታ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክዝረበሉ ቀንዩ'ዩ።

ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ዝትመን ንግዲ መዓልታዊ በቲ መትረብ ከምዝሓልፍ ጸብጻባት ይሕብሩ። ብዙሓት ትካላት ንግዲ በቲ ዘጋጠመ ዕንቅፋት ተጸልዮም ኣለዉ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል መበል 19 ክፍለ ዘመን ብሰብ ዝተረሰርሐ፡ ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ መትረብ ስዊዝ፡ 193 ኪሜ ዝንውሓቱ ኮይኑ፡ ኣስታት 12 ሚእታዊት ንግዲ ዓለም ዝሓልፈሉ ኣገዳሲ መስመር ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ መትረብ፡ ነቲ በቲ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ዝርከብ ጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ ('ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ') ኣቢሉ ዝኸይድ መገዲ ዝያዳ ጉዕዞ ክልተ ሰሙን ዝወስድ እዩ ጉዕዞ ንምሕጻር ተባሂሉ ዝተዃዕተ'ዩ።

ገለ መራኽብ ንግዲ፡ ኣብቲ ከባቢ ከይበጽሓ ናብቲ ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ ተዃሊለን ክጓዓዛ ከምዝተመልሳ- ኣብ ጉዕዘአን 8 መዓልታት ብምውሳኽ።

ሰራሕተኛታት ወደብ ግብጽን፡ ንመዓልታት ዝገበርዎ ፈተነ ብምዕዋቱ፡ ዕዳጋታት ዓለም ካብ ቅልውላዉ ድሒኖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት ግብጺ፡ ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ፡ ነቲ "ቅልውላዉ ንምፍታሕ" ንዝገበርዎ ጻዕርታት ኣመስጊኑ'ሎ።

ገሊ ኪኢላታት ነታ ንጎኒ ብምሽካል ነቲ ጸቢብ መትረብ ምሉእ ብምሉእ ዓጽያቶ ዝጸንሐት መርከብ ንምንስፋፍ፡ ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽእል ከጠንቅቑ ቀንዮም ነይሮም።