ግብጺ፡ መዓልታዊ ዋጋ 9.6 ቢልዮን ዶላር ንብረት ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ዓጊታ ዘላ መርከብ

ኣብ'ቲ ንቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ ኣብ ግብጺ ዝርከብ መትረብ ስዊዝ ተሸኺላ መንገዲ ዓጊታ ዘላ ኮንቲነራት ትሽከም ዓባይ መርከባ፡ መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም ዋጋ 9.6 ቢልዮን ዶላር ንብረት ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ዓጊታቶ ከምዘላ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ብመትረብ ስዊዝ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት፡ ዋጋ 400 ሚልዮን ዶላር ናይ ንግዲ ኣቑሑት ከምዝተሓላለዩ እዩ ኣቐዲሙ ዝተገበረ መጽናዕቲ ዝሕብር።

እቲ ጸብጻብ ኣቐዲሙ ኣብ ዘውጸኦ ርኽበታቱ፡ መዓልታዊ ብማእከላይ ገምጋም ዋጋ 5.1 ቢልዮን ዶላር ካብ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሰግርን፡ ዋጋ 4.5 ቢልዮን ዶላር ኸኣ ካብ ሸነኽ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ከምዝሰግርን ይገልጽ።

እታ መርከብ ተሸኺላትሉ ዘላ ቦታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መስርሕ ምኽፋት እቲ መስመር ሰሙናት ክወስድ ከምዝኽል እዮም ክኢላታት ዝሕብሩ።

እዛ 400 ሜትሮ ቁመትን 59 ሜትሮ ጎድንን ዘለዋ ኤቨርግሪን ሽማ ዓባይ መርከብ፡ ብታይዋናዊ ኤቨርግሪን ማረይን ትውነን ኮይና፡ ኣብ ሓደ ግዜ ክሳብ 20 ሽሕ ኮንቲነራት ክትሽከም ትኽእል።

እታ መርከብ ኣብ ጸቢብ ቦታ ስለዝተሸኸለት ንብዙሓት መራኽብ ዓጊታተን ኣላ።

እቲ ንማእከላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ዝራኽብ 193 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ መትረብ ስዊዝ፡ ካብ ዓለም እቲ ጸዕቒ ምንቅስቃስ ናይ መራኽብ ዝርኣየሉ ቦታ እዩ።

ኣብ ዓለም ካብ ዝግበር ንግዳዊ ምንቕስቓሳት እቲ 12 ሚኢታዊት በዚ መስመር እዚ እዩ ዝሓልፍ።

ኤቨርግሪን ንመስመር መትረብ ስዊዝ ዓጽያቶ ብምህላዋ፡ ልዕሊ 169 መራኽብ ብኽልቲኡ ወገን ኮይነን ንምኽፋት እቲ መስመር ይጽበያ ምህላወን ተገሊጹ ኣሎ፡ ካብዚአን እተን 24 ጭቃ ነዳዲ ዝጽዓና ምዃነን'ውን ተገሊጹ።

ንዝበዝሑ ወነንቲ መራኽብ ዝውክል ማሕበር ቢኣይኤምሲኦ (BIMCO)፡ መትረብ ስዊዝ ብምዕጻዉ ኣብ ዓለዋሚ ዕዳጋ ዋሕዲ ቀረብ ኣኸቲሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

እታ መርከብ፡ ቅድሚ ሳልስቲ እያ ኣብ'ቲ መስመር ኣብ ሑጻ ተሸኺላ ንመስመር መትረብ ስዊዝ ምሉእ ንምሉእ ዓጽያቶ ዘላ።

ክኢላታት ማሪታይም፡ እቲ መስመር ብሰንኪ ኤቨርግሪን ተዓጽዩ ዝቕኒ እንተኾይኑ፡ እተን ሃለኽቲ ነገራት ጽዒነን ዘለዋ መራኽብ እቲ ጽዕነተን ክበላሾ ከምዝኽል እዮም ዝሕብሩ።

እታ መርከብ ካብዚ ዘላቶ ከይተንቀሳቐሰት ሰሙናት ትወስድ እንተኾይና ግን መራኽብ እቲ ቅድሚ ምኽፋት መትረብ ስዊዝ ዝገብረኦ ዝነበራ ንኣፍሪቃ ተዃሊልካ ዝግበር ጉዕዞ ክኽተላ ክግደዳ እየን፡ እዚ ኸኣ ነቲ ድሮ ብኮቪድ 19 ተሃስዩ ዘሎ ቁጠባ ዓለም ናብ ዝኸፈአ ታኼላ ዝሸምም'ዩ ይብሉ ክኢላታት ማሪታይም።

ሓለፍቲ ብዓል መዚ መትረብ ስዊዝ ግብጺ፡ ነታ መርከብ ንምንቅስቓስ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ምህላዎም'ዮም ዝሕብሩ ዘለዉ።