እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብራዚል፡ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ሽዱሽተ ካብ ሚኒስትራቱ ቀያይሩን ሰጒጉን
ፕረዚደንት ብራዚል ጄር ቦልሶናሮ ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ዝዓበየ ምቅይያር ዝተባሃለሉ ሽዱሽተ ካብ ሚኒስተራቱ ቀያይርዎም።
እቲ ፕረዚደንት ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ንሚኒስተር ምክልኻልን እታ ሃገር ካብ ስርሖም ኣልዩ ብኻልኦት ሰባት ቀይርዎም ኣሎ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ኮሮናቫይረስ ዘርኣዩ ሸለልትነት እቲ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ህዝባዊ ተቐባልነት ኣብዚ ሕጂ እዋን ባይታ ዘቢጡ ይርከብ።
ብራዚል ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ለበዳ ሆስፒታላት እታ ሃገር መሊአን ከምዘለዋ ክንግር ጸኒሑ እዩ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ 19 ሞይቶም ኣለዉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ኸኣ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።
እቲ ፕረዚደንት ዕጽዋን ውሸባን ንዝብሉ ኣምራት ብትሪ እዩ ዝቃወሞም። ንሱ ዕጽዋ እንተ ተኣዊጂ ሰብ: ልዕሊ ብኮቪድ በቲ ቁጠባዊ ጸገማት ክጥቃዕ ከምዝኽእል እዩ ዝማጎት።
ምስ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዝነበረ ኢርነስት ኣሩጃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብራዚል ኣብ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ድሕሪ ምግላጽ ካብ ሓገግቲ ኣካላት እታ ሃገር ተሪር ነቐፌታ ስለዝበጸሖ ብወለንትኡ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።
እቶም ነቐፍቱ እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብራዚል ነበር ብሰንኪ ልሕሉሕ ኣካይድኡ ብራዚል ምስ ቻይና፡ ህንድን ኣመሪካን ተሪር ዝምድና ስለዘይመስረተት ወይ'ውን ነቲ ዝነበራ ስለዘላሕላሓቶ ብራዚል እኹል ክታበታት ካብ ምርካብ ዓንቂጽዋ ኢሎም እዮም ዝነቕፍዎ።
እቲ ሚኒስተር፡ ሕጂ ብሓደ ካርሎስ ኣልቤርታ ፍራንኮ ዝተብሃለ ሰብ ተተኪኡ ኣሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ብራዚል ዝነበረ ፌርናንዶ ኣዝብዶ ኸኣ ብዋልተር ሳውዛ ብራጋ ተተኪኡ ኣሎ።
ጀነራል ሉዊዝ ኤድዋርድ ሓለቓ ስታፍ ክኸውን እንከሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገር ዝነበረ ኮማንደር ኣንደርሰን ቶረስ ኸኣ ሚኒስተር ፍትሒ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኮሮናቫይረስ ዝነበሮ ሶንኮፍ ኣተሓሕዛ ክኽሰስ ስለዝኽእል ንህላወ ስልጣኑ ድፋዕ ክኾንዎ ዝኽእሉ እዩ ሓርዩ ተባሂሉ ይግለጽ ኣሎ።
ፕረዚደንት ፕራዚል ኣብዚ ሚኒስተራት ዝቐያየረሉን ካብ ስራሕ ዝሰጎጎሉን፡ ንማርኡሎ ኳሮጋ'ውን ሓዲሽ ሚኒስተር ጥዕና ገይሩ ሸይምዎ ኣሎ። እቲ ሚኒስተር'ውን ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝኾነ ፋይዘር ካብ ኣመሪካ ንኽርከብ ይጓየ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ሚኒስተራት ጥዕና ቀያይሩ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብራዚል ክሳብ ሕጂ ክታበታት ኣስትራዜኔካን ኣብ ቻይና ዝፈረየ ኮሮናቫይክን እያ ትጥቀም ዘላ።