ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፡ ኣየናይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝወስድ 'ኣይወሰነን'

ሙሴቬኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኡጋንዳ፡ ዮወሪ ሙሴቨኒ፡ ሃገሩ ህዝባዊ ክታበት ኣብ ምሃብ እትርከብ ኮይና፡ ንሱ ግና ኣየናይ ክታበት ከምዝወስድ ዛጊድ ኣይወሰነን ተባሂሉ።

ኣብታ ሃገር ዝወሃብ ዘሎ ክታበት እቲ ኦክስፎርድ-ኣስትራዜኒካ ዝበሃል ዓይነት ክታበት እዩ።

ብዙሓት ፕረዚደንታት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ክታበታት ዘሎ ህዝባዊ ጥርጣረታት ንምቅላል ቀዲሞም ንባዕሊኦም ክወስዱ እዩ ዝስትውዐል ዘሎ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ግና፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ፡ ጥንቁቕ ምዃኑን እቲ ስርዓት ግቡእ ክንክን ይገብረሉን ከም ዘሎ ብምግላጽ ገና እቲ ክታበት ከምዘይወሰደ ተዛረቡ።

ቀዳመይቲ እመቤት ጃኔት ሙሴቬኒ'ውን ገና ክታበት ኣይወሰደትን ኢሉ።

ሚኒስትር ጥዕና ጄን ኣንግ፡ 'እቲ ፕረዚደንትን ኣብ ዙርይኡ ዝርከቡ ሰራሕተኛታትን ተኸቲቦም እዮም' ዝብል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሚድያ ዝተጋወሐ ዜና ነጺጋ።

ንሳ፡ ነቲ ብናይ ኡጋንዳ ጋዜጣ ዳይሊ ሞኒቲርን ብናይ ኣመሪካ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናልን ዝታቐለሐ ዜና እያ ምላሽ ሂባ ተዛሪባ።

ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ብወገኑ፡ ኣብቲ ናይ ሰንበት መደርኡ፡ እቲ ጋዜጣ ኣብ ቀዳማይ ገጹ በፍሩይ ፊደላት መአረምታ ከውጽእ ሓቲቱ፡ 'እንተዘይኮይኑ ግን ኣነ ባዕለይ ክኸዶም እየ' ኢሉ።

ኡጋንዳ፡ ብቐድም ሰዓብ፡ 49.6 ሚኢታዊት ህዝባ ንምኽታብ ተሊማ ትንቀሳቐስ ኣላ።

ካብቲ ብዓለም ለኸ ሃፍታም ሃገራት ዝተለገሰ፡ ኮቫክስ ብዝብል ዝፍለጥ ንድኻ ሃገራት ክወሃብ ዝተተለመ መደብ ክታበት፡ 864 ሽሕ ክታበታት ዝረኸበት ኮይና፡ ኣብ መጻኢ ወርሒ ሰነ ድማ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮንን 688 ሽሕን ክታበታት ክትረክብ ትጽበ ኣላ።

ኮሮና
ኮሮና