ኬንያዊ መራሒ ተቓውሞ ራይላ ኦዲንጋ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፉ

ኬንያዊ መራሒ ተቓውሞ ራይላ ኦዲንጋ ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፉ፡ ተወሺቡ ምህላዉ ተገሊፁ።

ራይላ ኦዲንጋ፡ ትማሊ ሓሙስ ምሸት እዩ፡ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈ ፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ድኻም ምስ ተሰምዖ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ከምዘምርሐ ስድርኡ ሓቢሮም።

ዶክተሩ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “ዝወስዶ ዘሎ ፈውሲ ፅቡቕ ይሰርሕ ኣሎ፤ ምዕባለታቱ’ውን ንከታተሎ ኣለና” ኢሉ።

ራይላ ኦዲንጋ’ውን ድሒሩ፡ “ጥንካረ ከምዝተሰምዖን፡ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘሎን” ብምሕባር፡ ግድን ናብ ውሸባ ክኣቱ፡ ምስ ዶኳትር ከምዝተሰማምዐ ሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ ሚንስትዒ ጥዕና እታ ሃገር፡ ኬንያ ኣብ ሳልሳይ ደግሲ ለበዳ ኮቪድ-19 ትርከብ።

ኬንያ፡ ትማሊ ሓሙስ 829 ሓድሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ኮእና፡ እዚ ብዝሒ ድማ ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገበ ልዑል ቁፅሪ ኮይኑ ኣሎ።

ወዲ 76 ዓመት ኦዲንጋ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ መምርሕታት ኮሮናቫይረስ ከይሓለዉ፡ ብብርኪ ሃገር ፖለቲካዊ ምትእኽኻባት ክገብሩ ዝፀንሑ ፖለቲከኛታት እዩ።