ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪ ኮስት፡ ሃመድ ባካዮኮ ኣብ ጀርመን ሞይቱ

ኣይቮሪኮስት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪኮስት፡ ሃመድ ባካዮኮ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣይቮሪ ኮስት ሃመድ ባካዮኮ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ሕክምና ከምዝሞተ ሰበስልጣን ገሊጾም።

ኣብ ጀርመን ሕክምና እናተኸታተለ ዝጸንሐ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መበል 56 ዓመተ ልደቱ ምስ ኣኽበረ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታት እዩ ሞይቱ።

ባካዮኮ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረ ኣማዲዮ ጎን ኮውሊብሊ ብሃንደበት ምስ ሞተ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተመዚዙ።

ፕረዚደንት ኣይቮሪ ኮስት ኣላሳነ ኦታራ ቀዳማይ ሚኒስተር ባካዮኮ ‘‘ንፋዕ መራሒ፣ ንመናእሰይ መርኣያን ዝኾነን ኣብነታዊ ተኣማንነት ዝወነነን’’ ክብል ገሊጹዎ።

ሓላፊ ሚድያ ዝነበረን ዳሓር ናብ ፖለቲካ ዝተጸንበረን ባካዮኮ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኲናት ሕድሕድ ከብቅዕ ልዑል ናይ ምሽምጋል ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ንሱ፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነት ብተወሳኺ እውን ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ኮይኑ እዩ ዘገልግል ነይሩ።

ሞት ባካዮኮ ስዒቡ ፓትሪክ ኣቺ ጊዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዝተሾመ እንትኾን፡ ንኡሽተይ ሓው ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራ፡ ተኔ ቢራሂማ ኦታራ ጊዝያዊ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ።